ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ሃብታምን ዳኻን ዘሎ ኣፈላላይ ሰፊሕ እዩ ተባሂሉ


ኣፍሪካ ኣብ 2010 ኣ/ፈ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኣርእያ ኣላ

ኣብ ኣፍሪካ ዝተርኣየ ሓፈሻዊ ዕብየት ቁጠባ ድኽነት ኣብ ምንካይ ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ።ኣብ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ኽፍተት ሰፊሕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ ።ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እውን ንቑጠባዊ ዕብየት ከምዝሃሰዮ ተገሊፁ።

እዚ ኩነታት ቁጠባ ኣፍሪካ ዝድህስስ ፀብፃብ ዓሽራይ ሕታም እዩ።ኣፍሪካ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ዝተርኣየ ናይ ዓለም ፋናንሻዊ ቅልውላው ብኣንፃራዊ ኩነታት እንትምዘን ብዘዕግብ ተዋፂኣቶ ይብል እቲ ፀብፃብ።ብፋልይ ድማ ኣፍሪካ ኣብ 2010 ኣ/ፈ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኣርእያ ኣላ ይብል ብምውሳኽ።

ብዛዕባ እቲ ፀብፃብ ትንታነ ዘቕረቡ ኣብ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ዝሰርሑ ኣደም ኢልሂራ-ያካ ኣፍሪካ ነቲ ኣብ ቐረባ ዝተርኣየ ቁጠባዊ ቅልውላው ዓለም ከምዝተፃወረቶ ይገልፁ።ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካ እንትነፃፀር ዝሐሸ ከምዝነበረ ይገልፁ።ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ብዝነበረ ፖለቲካ ዘይምርግጋእ እዩ ይብሉ ንሶም።

ኮይኑ ግን ይብሉ ብምስዓብ ኣብ ኣፍሪካ ዝተርኣየ ቁጠባዊ ዕብየት ከዐንቅፉ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ኩነታት እናተርኣዩ ምዃኖም ኣደም ይገልፁ።

ሓድሽ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ተርእዮ ኣብ ኣፍሪካ ከምዝተግሃዱ ምስገለፁ ‘’ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ለውጥን ዘይምርግጋእን፡ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ዝርአ ፖለቲካዊ ከይዲ ኣብ ነዊሕ እዋን ኣብ ዕብየት ቁጠባ ኣሉታዊ ፅልዋ ከስዕብ ይኽእል እዩ።’’ኢሎም።

ኣደም ኢልሂራ-ያካ ካሊእ ዘተኮርሉ ኩነት እቲ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ምስ ምንካይ ድኽነት ዘለዎ ምትእስሳር እዩ።ብኣንፃራዊ መልክዕ ኣብ ኣፍሪካ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዕብየት ይርአ ኣሎ እንተተብሃለ’ውን እቲ ምዕባለ ንዝበዝሕ ህዝቢ ዝሓቖፈ ኣይኮነን።ብፍላይ ነቲ መንእሰይ።

እቲ ዓሽራይ ሕታም ዘተኮረሉ ካሊእ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ቻይና፡ህንዲ፡ብራዚልን፡ኮሪያን ካልኦት ሃገራትን እናዓብየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ምትእስሳር እዩ።ኣፍሪካ ክትጥንቀቖ ዝግብኣ ይብል እቲ ፀብፃብ እዚ ሓድሽ ርክብ ንዕኣ ብዝረብሕ መንገዲ ክትፍፅሞ ከምዘለዋ እዩ።

XS
SM
MD
LG