ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣይቮሪኮስት ናብ ኣውዲቅካ ምሕላፍ በፂሓ!


ካሜሩንን ኣይቮሪኮስትን
ካሜሩንን ኣይቮሪኮስትን

ፅዋዕ ኣፍሪቃ ኣብ ኢኻቶርያል ጊኒ ብኣዝዩ ዝረሰነ ሃዋሁ ሎሚ ረቡዕ እውን ቀፂሉ’ሎ።

ኣብ ክልተ ስተድየማት ኣርባዕተ ጋንታታት ማዕረ ግጥማት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ክጣፋኣ ዊዒለን።ካሜሩን ኣንፃር ኣይቮሪኮስት ማሊ ኣንፃር ማሊ።

ብመሰረት’ዚ ኣብ ዝጀመረ ግጥማ ማሊን ጊኒን ቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ጊኒ’ያ።ኣብ ውሽጢ 15 ደቃይቅ።ማሊ ማዕረ ትገብራ ዕድል ፍፁም ቅላዕ መቕፃዕቲ ረኺባ።ግን ኣይተጠቀመትላን።ሳያዱ ኪየታ ዝቀልዓ ኩዕሶ ናብ ሕቑፊ ሓላዊ ማዕፆ ጊኒ ኣትያ።ጋንታ ማሊ ክተምልጣ ዘይግባእ ዕድል።

ኣብ ግጥም ካሜሩንን ኣይቮሪኮስትን ግና ብዘይካ’ተን ተፃወቲ ኣይቮሪኮስት ዝፈተንወን ሓደገኛታት ኩዓሳሱ እቲ ፀወታ ዜሮ ን ዜሮ እዩ ቀፂሉ።ክሳብ መበል 34 ደቂቃ።ኣብ መበል 35 ደቂቃ ግና ቀፅሪ 15 ግራዴል ካብ ርሑቅ ዝቀልዓ ኩዕሶ ብዝናኣድ ኣገባብ ቀዳመይቲ ሸቶ ኮይና።ኣይቮሪኮስት 1 ካሜሩን ዜሮ።እቲ ፀወታ ሓደ ንዜሮ’ውን ተዛዚሙ።

ብመሰረት’ዚ ኣይቮሪኮስት ሓሊፋ’ላ።ማዕረ 1 ን 1 ካብ ዝተፈላለያ ማሊን ጊኒን መን ከምትሓልፍ ብዕፃ ክውሰን’ዩ።

XS
SM
MD
LG