ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርዓ ብማዕዶ ኣብ እዋን ማሕበራዊ ምፍንታት


መርዓ፤ኣብዚ እዋን ማሕበራዊ ምፍንታት እቲ ስነስርዓት ከይተረፈ መርዑትን ስድርኦምን ናብ ሓደ ከቀራርቦም ተዘይክኣለ እውን ገሊኦም ብካሊእ ኣገባብ እቲ ስነስርዓት ካብ ምፍፃም ኣይኸልከሎምን።ኣብ ኣፍሪካ ዲጅታዊ ርክባት ዝመልኩ ገለ ኣሽሓት ኪሎ ሜትር ተረሓሒቖም እውን መርዓ ዘምስል ስነ ስርዓት ብርሕቐት የካይዱ ኣለው።ኣኒታ ፓወል ካብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናነበሩ በዚ ኣገባብ ኣቢሎም ርክቦም ንዘደልደሉ ኣዘራሪባ ልኢኻትልና ኣላ።

ፊፊን ኢማኑኤልን ኤግቤቡን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መርዕኦም ፈፂሞም ኣለው፤ብማዕዶ።

ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኮሮናቫይረስ፣ኣብዚ እዋን እገዳታት ጉዕዞ ስሩዕ ህይወት ይቕፅል ከምዘሎ ንምርኣይ ሰባት ዘመናዊ መፍትሒ የናድዩ ኣለው፤ብቴክኖሎጂ ኣቢሎም ብማዕዶ \ብቨርቹዋል\ መርዕኦም ይፍፅሙ ኣለው።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀሪያ እትነብር ፊፊ ናይ ናይጀሪያ ባህላዊ መርዓ እናሳዕስዐት ትርኣይ።

እታ መርዓት ፍሉይ ማዕልታ ተስተማቕር ኣላ ዋላዃ መርዓዊ ብኣካል ምስኣ ተዘይሃለወ።

‘’ኣብታ ዕለት ኣብ ኦንላይን ነይሩ።በብሰኬንዱ ኢና ንዘራርብ ነይርና።ምሳይ ዘየለ ኮይኑ ኣይተሰመዐንን’’ ትብል። ብኣካል ምሳይ ከምዘሎ እዩ ዝተሰምዐኒ፤ምሳይ እዩ ነይሩዝበለት ንሳ ንዓይ ዝተፈለየ ነገር ኣይነበረን።ፅቡቕ እዩ ተሰሚዑኒ በለት።

ፊፊ ብቀረባ እትፈልጣ ካልእቲ ሰበይቲ እውን ኣብ ኢንግላንድ ምስ ዘሎ ብዓል ቤታ ብተመሳሳሊ ናይ ማዕዶ መርዓ ከምዝገበረት ትገልፅ።

እዚኦም ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኣብ ዙሪያ ዓለም ተፈላልዮም ካብ መንጎ ዝርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት እዮም።

ሓቢሮም ዝነበሩ እውን ብምኽኒያት እገዳታት ለበዳ በቲ ልሙድ ባህላዊ ስነስርዓት ተኣኪቦም ኣየኽብሩዎን ዘለው።ንመርዓ ዝኸውን ናውቲ ዘቕርቡ ትካላት ንግዲ ካብ ስራሕ ወፃኢ እዮም ኮይኖም።ሞለቦገንግ ጉልዋኮ ኣብ ጆሃንስበርግ ናይ መርዓ ናውቲ እተቕርብ ነጋዳይ ኢያ።

ንርእሳ ኣብ ቀረባ ዝተመርዐወት ጉልዋኮ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ብማዕዶ \ቨርችዋል\ ስነ ስርዓት መርዓክለማመድ ምናልባሽ ክፍለ ዘመናት ይወስደሉትብል።

‘’ነዊሕ ግዜ እዩ ክወስድ።ምኽኒያቱ ኣብ ዓብይ ስድራ እንዓቢ ምዃንና እውን ክትርስዒ የብልክን። ሻውዓይ፣ ሻምናይ፣መበል 15ን 25ን ልደትኪ ክተኽብሪ ከለኺ እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት ምሳኺ ኮይኖም የኽብሩልኪ’’ በለት።በይንኻ ኮይንኻ ምኽባር ንምምሃር ከቢድ እዩ ክኸውን ትብል።

ገሊኦም ሕፁያት ኣብ ልዕሊ ኮቪድ-19 ዝተነበሩ እገዳታት ክሳብ ዝልዓሉ መርዕኦም የፅንሕዎ እንተሃለው እውን ፊፊን ብዓልቤታን ግን ፍቕሮምን ውሳኖምን ንምኽባር ከዘንግዕዎ ኣይደለዩን።

‘’ብኣካል ኣብኡ ክርከብ ዘይምኽኣለይ እሓዝን’’ዝበለ ኢማኑኤል ኣስዒብኣቢሉ ‘’እናሳዕስዐትከላክሪኣ ከለኹ ግን ካብ ገፀይ ክምስታ ኣይተፈለየንን።ሕጉስቲ ምዃና ዓርሰ እምነት ከሕድር ገይሩኒ’’ ይብል።

በረራ ነፈርቲ ክቕፅል ከሎ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምርኻብመደብ ኣለዎም።

ንሕዚ ግን እዞም ክልተን ካልኦት ማእለያ ዘይብሎምን ፍቕሮምን ናፍቖቶምን ብማዕዶ ክቕፅሉ ናይ ግድን እዩ።

XS
SM
MD
LG