ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 10 ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምቁራጹ ተገሊጹ


ኢንተርነት ካፌ ኣብ ኪንሳሻ - ፋይል
ኢንተርነት ካፌ ኣብ ኪንሳሻ - ፋይል

ንሰንኪ ምብታኽ መስመር ኢንተርነት ትሕቲ ባሕሪ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምቁራጹ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኣቅራቢ ኢንተርኔት (ኤም.ቲ.ኤን) ኣብ ዝዘርገሖ ሪፖርት፣ እቲ ምቁራጽ ዘጋጠመ ብሰንኪ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርገሑ መስመራት ምብታኽ ከምዝኾነን ዳግም ንምቕጻል ይስራሕ ከምዘሎን ጠቂሱ ኣሎ።

ብውሑድ ኣብ 10 ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ማለት ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ላይቤርያ፣ ቤኒን፣ ጋናን ቡርኪናፋሶን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ጸገም ኢንተርኔት ከምዘጓነፈ እቲ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG