ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ኣፍሪካ በቢዓመቱ ናብ ወፃኢ ንዝውሕዝ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብዝዓበየ ዓለምለኸ ኩባንያታት ተሓተቲ እዮም ተባሂሉ


ነቲ ዝውሕዝ ዘሎ ገንዘብ ጠጠው ንምባል ናይቲ ኣህጉር ዝለዓለ ፎረም ክሪኦ ጀሚሩ ኢሎም ታቦ እምቤኪ

ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ቀደም ፕሬዝደንት ታቦ እምቤኪ ካብ ኣፍሪካ በቢ ዓመቱ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንዝወፅእ 50 ቢልዮን ዶላር ብዝዓበየ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኩባንያታት ተሓተቲ እዮም ክብሉ ገሊፆም።ታቦ እምቤኪ ነዚ ዝገለፁ ነዚ ገበናዊ ምንቅስቓስ ደው ንምባል ዓሊሙ ንሓደ ዝለዓለ ጉጅለ ልኡኽ መሪሖም ኣብ ናይሮቢ ኬምያ ኣብዝተረኸብሉ እዋን እዩ።

ታቦ እምቤኪ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መገልፂ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ኣፍሪካ ናብ ወፃኢ ብዛዕባ ዝውሕዝ ዘሎ ገንዘብ ናይታ ኣህጉር ዝለዓለ ፎረም ክሪኦ ጀሚሩ’ሎ ኢሎም።

እቲ ዝሃድም ዘሎ ገንዘብ ብዙሕ ምስ ምዃኑ ኢድ ዓለምለኸ ኩባንያታት ክህልዎ ናይ ግድን’ውን እዩ፡ብናይ ብዙሓት ሃገራት ኩባንያታት ይፍፀም ዘሎ ምዃኑ ግልፂ እዩ ኢሎም።

ብናይ ገሊኦም ግምት በቢዓመቱ ካብ ኣፍሪካ ዝጠፍእ ዘሎ 50 ቢሊዮን ዶላር ብዝውውር ሓሺሽ፡ግብሪ ንዘይምኽፋል ብዝፍፀም ምሕባእን ብካልኦት ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ዝውውርን ሓዊሱ ከምዝኾነ ታቦ እምቤኪ ሓቢሮም።መጠን እዚ ገንዝብ እዚ እታ ኣህጉት በቢዓመቱ ካብ እትረኽቦ ናይ ልምዓት ሓገዝ ብክልተ ኢድ ከምዚበዝሕ’ውን እምቤኪ ወሲኾም ሓቢሮም።

ግሎባል ፋይናንሻል ኢንተግረቲ ዝተብሃለ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ትካል ምርምር ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት እቲ ዝተለምደ ዶብ ሰገር ዝውውር ገንዘብ ዝፍፀም ብዓለምለኸ ንግዲን 60 ሚእታዊ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብ ብዝሽፍን ዘይሕጋዊ ምምሕልላፍ ገንዘብን/Money Laundering/ ምዃኑ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ካብቲ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብ ብሰበስልጣን መንግስቲ ዝፍፀም ግዕዝይና ሰለስተ ሚእታዊ ጥራሕ እዩ።

ነቲ ዋሕዚ ጠጠው ንምባል ኣብዝግበር ፃዕሪ ፅምብዶ መንግስቲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ንምዝርራብ እቲ ዝለዓለ ልኡኽ ትማሊ ሰሉስ ምስ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ምዋይ ኪባኪን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፋይናንስ እታ ሃገርን ተራኺቡ’ሎ።

መንግስታት ኣፍሪካ ነዚ ንምግታእ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ዘለዎም እምነት’ውን ገሊፆም ኣለው ታቦ እምቤኪ።

እቲ ብደገፍ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኢኮኖሚያዊ ኮሚሽን ኣፍሪካን ብሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝተጣየሸ ዝለዓለ ፎረም ተመሳሳሊ ኣኼባ ከካይድ እዚ ንስልሳይ ግዜ እዩ።

XS
SM
MD
LG