ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስተመንት ንምሕያል 33 ቢሊዮን ዶላር ንምምዳብ ቃል ኣትየን


U.S. President Barack Obama speaks at the U.S.-Africa Business Forum
U.S. President Barack Obama speaks at the U.S.-Africa Business Forum

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ንግዲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን ዩናይትድ ስቴትስ ምስ መሻርኽታ ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስትመት ንምሕያል ኣስታት 33 ቢሊዮን ዶላር ንምምዳብ ቃል ምእታወን ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣፍሊጦም።እቲ ገንዘብ ኣብ ንፁህ ፅዓት፣ኣብ ምምሕያሽ መሰረተ ልማዓት፣ ፋይናንሳዊ ትካላትን ካልኦት ዘፈራትን ክውዕል እዩ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ዋዕላ ካልኦት ትልምታት እውን ዕላዊ ገይራ’ላ።ሓደ ካብኦም ናይ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን ተበግሶ ፋይናንስ ንፁህ ኢነርጂ ብዝብል ዝፍለጥ መደብ ናብ ንፁህ ኢነርጂ ይሰጋገራ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ንምሕጋዝ ተወሳኺ 10 ሚሊዮን ዶላር ከምእትምድብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

እታ ኣህጉር ሰፊሕ ስግኣታት ፀጥታ የጋጥማ ኣብዘሎ እዋን ሓደ ሸቶ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን ስትራተጂያዊ ርክብ ምፍጣር እዩ።ዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:45 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG