ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተ መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ተኸፊቱ


ቤተ መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ተኸፊቱ
ቤተ መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ተኸፊቱ

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንሃገራዊ ቤተ መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም መሪቖም ከፊቶም።ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብዝተረኽብሉ ኣብ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናሽናል ሞል ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ብ540 ሚሊዮን ዶላር ዝተሃነፀ ሙዚየም ተመሪቑ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ’ሎ።

ብባሮትን ነፃ ብዝወፁ ፀለምትን ዝተሰርሐ፣ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተንጠልጠለ ደወል ብምድዋል ኦባማ ነቲ ሃገራዊ ቤት መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ብወግዒ ከፊቶምዎ።

እቲ ሙዚየም ዝተሓለፈ ጉዕዞ እንታይ ከምዝመስል ንበፃሕቲ ንድሕሪት ዝወስድ እዩ።ካብ ድቕድቕ ፀልማት ባርነት ክሳብ ዘርኣዊ ኣፈላላያትን ዘርኣዊ ኣድልዎን ንበፃሕቲ ይወስዶም።

ፕረዝደንት ኦባማ ብተወሳኺ ሰባት እቲ ቤተ መዘክር ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ዘሕለፉዎም ፈተናታትን ንናይታ ሃገር ታሪኽ ማዕረ ክንደይ ከምዘበርከቱን ብነባርነት ዘርኢ ሙዚየም እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ቤተ መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ተኸፊቱ ተኸፊቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:05 0:00


XS
SM
MD
LG