ዋሽንግተን —
ብባሮትን ነፃ ብዝወፁ ፀለምትን ዝተሰርሐ፣ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተንጠልጠለ ደወል ብምድዋል ኦባማ ነቲ ሃገራዊ ቤት መዘክር ታሪኽን ባህልን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ብወግዒ ከፊቶምዎ።
እቲ ሙዚየም ዝተሓለፈ ጉዕዞ እንታይ ከምዝመስል ንበፃሕቲ ንድሕሪት ዝወስድ እዩ።ካብ ድቕድቕ ፀልማት ባርነት ክሳብ ዘርኣዊ ኣፈላላያትን ዘርኣዊ ኣድልዎን ንበፃሕቲ ይወስዶም።
ፕረዝደንት ኦባማ ብተወሳኺ ሰባት እቲ ቤተ መዘክር ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ዘሕለፉዎም ፈተናታትን ንናይታ ሃገር ታሪኽ ማዕረ ክንደይ ከምዘበርከቱን ብነባርነት ዘርኢ ሙዚየም እዩ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።