ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መናእሰይ ዝበዝሐን ዓሰርተ ሃገራት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዋ


AFRICA
AFRICA

መጽናዕቲ ሕ/ሃ 'ብንጽጽር ብውሑድ ሸሞንተ ኣፍሪቃዊያን መራሕቲ፣ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣብ ስልጣን ኣለው። ማእከላይ ዕድሞም 72 ዓመት' ይብል።

ሳዕቤኑ መብዛሕተኦም መናእሰይ ከም 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ዚምባብዌያዊ ሰይሞር ጆንስ፣ ናብ መሪሕነት ንምብጻሕ ዘለዎ ተገዳስነት ዘዳኸመ ምኻኑ’ዩ። ንሳ ‘ከምኡ ምግባሮም ንመናእሰያት ብዙሕ ዘተባብዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ገለ መናእሰይ፣ ፕረዚደንት ክኾን ይምነዩ። ሕስብ እንተበልዎ ግና ፕረዚደንት ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣኑ ከምዘሎ ይዝክሩ’ሞ፣ ኩሉ ነገር የብቅዕ’ ትብል።

ዴቪድ ኪዉማ ዝተባሃለ ፖለቲካዊ ተንታኒ ‘ስለምንታይ’ዮ ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ዕድመ ጡረተኦም ኣብ ሰላማዊን ህዱእን ሃዋሁ ምሕላፍ፣ ኣብ ምሕረት ዘይገብር ፖለቲካዊ ባይታ፣ ወፍሪን ውጥረትን ንምንባር ዝመርጹ?’ ኢሉ ይሓትት።

ዴቪድ ኪውማ መልሲ ክህብ ከሎ ‘ነዊሕ ጊዜ ኣብ ስልጣን ንክጸንሑ ካብ ዘገድዶም ሓደ ቀንዲ ምኽንያት፣ ንዝቃወምዎም ብሓይሊ ንምጭፍላቅ ስለዝመርጹ’ዩ’ ይብል።

ስቴፈንይ ዎልተር ዝተባሃለት ንፕሮግራም ማእከል ስላምን ጸጥታን ፕሮቶርያ ትመርሕ ክትዛረብ ከላ ‘ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ጸገም ትካላት ዘይምጥንኻሩ’ዩ’ ትብል።

ነዊሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ካብ ህዝቢ ዘይተቆጠበ ድጋፍ ከምዝረኽቡ፣ መስረቲ ሃገር ተባሂሎም ስለዝውሰዱ፣ ዋላ’ውን እንተተጋገዩ ዘይንቀፉ ከምዝገብሮምን፣ ከምውጽኢቱ ድማ ዕድመ ስልጣኖም ከምዘናውሑ ቅድም ኢሉ ዝተጠቀሰ ሚስተር ዲቪድ ክዊዋ ይዛረብ።

XS
SM
MD
LG