ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣፍሪቃ ማእኸል ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣይክትኸውንን'ያ' ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዋና ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሪቃ ማእኸል መፈተኒ ክታበት ኮቪድ -19 ኣይክትኸውንን እያ ኢሎም።

ኣፍሪቃ ናይቲ ክታበት መፈትኒ ማእኸል ክትኸውን ሓሳብ ንዘቕረቡ ክልተ ናይ ፈረንሳ ሳይንቲስት'ውን ኮኒኖም ።

መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ መበል 21ክፍለዘመን ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ካብ ምሁራት ምስማዕ ውርደት እዩ ኢሎም።

እቶም ምሁራት ኣብ ተለቪዢን ቀሪቦም ንዘቕረቡዎ ሓሳብ ፍሉጣት ተፃወቲ ኩዕሶ አግሪ ዝነበሩ ዲዲየር ድሮጋባን ሳሙኤል ኤቶን ሓዊሱ ብርክት ንዝበሉ ኣፍሪቃዊያን ኣቖጢዑ ኣሎ።

ፈተናታት ክታበት ብዝወፀ ስርዓትን መምርሕን ኣብ ኣፍሪቃ፣ኣብ ኣውሮጳ ወይ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ከምዝካየድ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከምዚ ዝበለ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባታት ውድብ ጥዕና ዓለም ብትሪ ይኹንኖ ክብሉ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG