ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃዊያን ተሳተፍቲ ጉባኤ ቁጠባ ኣፍሪቃ ቪዛ ተኸልኪሎም


ዩኒቨርስቲ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ኣፍሪቃዊያን መራሕቲ ኣብያተ ንግዲ፣ሰበስልጣን መንግስትን ካልኦትን ብምእንጋድ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ መዘነታቶም ዘራኽብ ጉባኤ ቁጠባን ልምዓትን ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት የተኣናግድ።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ኣፍሪቃዊያን ጉባኤ ግን ኣፍሪቃዊያን ተሳተፍቲ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ኣይሳተፍሉን።

ባኤ ቁጠባ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ርክባት ንግዲ ንምዕባይ ንሰባት ዘራኽብ መድረኽ እዩ።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ግን ብዙሓት ሰባት ኣይርከቡን ዘለው ይብላ ኣዋሃዲት እቲ ጉባኤ ሜሪ ፍላወርስ።

“መብዛሕቲኡ ግዜ 40 ሚእታዊት ቪዛ ተኸልኪሎም እቶም ካልኦት ይመፁ ነይሮም።ኣብዚ ዓመት እዚ ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኩሎም ልኡኻት ተኸልኪሎም ኣለው።ዘሕዝን እዩ፤እዞም ሰባት ኣዚዮም ኣዚዮም ሓዚኖም እዮም።”

በዚ ዝተተንከፋ ሃገራት ሲየራ ሊዮን፣ጊኒ፣ጋና፣ናጀሪያ፣ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ይርከብአን።

ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ኩሎም ስለምንታይ ቪዛ ከምዝተኸልከሉ ከምዘይፈልጣ ዝገለፃ ሜሪ ፋላወርስ ይኹን እምበር ምስ ኣሰሓሓቢ እገዳ ጉዕዞ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣርአን ገሊፀን።

ንሰን ብተወሳኺ ሓቀኛ ነጋዶ ብተደጋጋሚ ቪዛ ክኽልከሉ ንዕዘብ ስለዘለና እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ዘርኣዊ ኣመለኻኽታ ዝሕብር እዩ ኢለን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣፍሪቃዊያን ተሳተፍቲ ጉባኤ ቁጠባ ኣፍሪቃ ቪዛ ተኸልኪሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:41 0:00


XS
SM
MD
LG