ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት አፍሪቃ ብሰንኪ ዞባዊ ዕንቅፋታት ክረኽበኦ ዝነበረን ቢልዮናት ዶላራት ይስእና ከም ዘለዋ ተገሊፁ


The World Bank says African nations could earn billions of dollars more each year if regional trade barriers were broken down.
The World Bank says African nations could earn billions of dollars more each year if regional trade barriers were broken down.

ዕንቅፋታት ዞባዊ ንግዲ ሃገራት አፍሪቃ ክረኽበኦ ንዝነበረን ቢልዮናት ዶላራት አታዊ ይገትኦ'ሎ ክብል ባንኪ ዓለም አፍሊጡ።

ባንኪ ዓለም ብንግዲ ኣብ ዝተፈናጨለት ኣፍሪቃ ዞባዊ ምውህሃድ ንግዲ ምድልዳል ዝብል ትርጉም ኣብ ዘለዎ ሓድሽ ፀብፃብ'ዩ ነዚ ገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ ሃገራት አፍሪቃ ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ንሓድሕደን ዶብ ሰገር ንግዲ ዘካይዳ ምስ ካልእ ክፍሊ ዓለም ክናገዳ'ዩ ዝቀለን ክብል'ውን ገሊፁ።

እተን ሃገራት ስግር ዶብ ንግዲ ንምትብባዕ አገባባት ከፍኩሳ'ውን ሓሳብ አቅሪቡ'ሎ።

ባንኪ ዓለም ንናይ አፍሪቃ ምውህሃድ ዞባዊ ንግዲ ዝውዕል ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ዘዋፈረን እዚ መብዛሕትኡ ንምምሕያሽ ትሕተ ቅርፂ መጎዓዚያን ፅዓትን ከም ዝውዕልን ክሳብ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ናብ 5.7 ቢልዮን ዶላር ክብ ከም ዝብል'ውን ገሊፁ'ሎ።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG