ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣፍሪካ ቀዳምነት ናይ ዓለም ኣመለኻኽታ ምቕያር ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ


ናይ ኣፍሪካ ተኽእሎታት ንምምዕባል ዝዓለመ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንፈረንስ የካይድ ኣሎ።

ናይ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ናይ ኣፍሪካ ፍሉይ ኣማኻሪ ናይታ ኣህጉር ቀዳምነት ናይ ዅናትን ጥምየትን ደንበ ዝብል ናይ ዓለም ኣመለኻኽታ ምቕያር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።ናይ ኣፍሪካ ተኽእሎታት ንምምዕባል ዝዓለመ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንፈረንስ የካይድ ኣሎ።

ፍሉይ ኣማኻሪ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ሸኽ ሲዲ ዲያራ ዋላ’ዃ ዓብይ ስራሕ እንተኾነ’ውን ኣፍሪካ ኣመላኻኽትኣ ክተሐድስ ኣለዋ ክብሉ ፀዊዖም።ኣብቲ ናይ ኣፍሪካ ዓቕምታት ናይ ምጥንኻር ኮንፈረንስ ሕቡራት መንግስታት ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ዲያራ ኣመላኻኽታ ናይ ምቕያር ስራሕ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣፍሪካዊያን ባዕሎምን ዘሳተፈ ናብ ክልቲኡ ኣንፈታት ዘቕነዐ ዘፈር ከምዝኾነ ይገልፁ።

ዲያራ ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ ”ኣፍሪካ ዓብዪ ተኽእሎ ሰብኣዊ ፀጋታት፡ተፈጥሮኣዊ ፀጋታትን ናይ መሬት ፀጋታትን ዘለዋ ኣህጉር ኢያ ዝብል ኣመለኻኽታ ክህልወና ኣለዎ።እዚ ተኽእሎ እዚ ብረድኤት ጥራሕ ከይኮነስ ብመዳይ ናይ ወፃኢ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንትን ፀጋታታ ንኽትጥቀም ብዘኽእላ ንግድን ክንነጥፍ ኣለና።’’ኢሎም።

ዲያራ ምስ ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዝኾና ኣሻ ሮስ ሚጊሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ማእኽለ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ይሳተፉ ኣለው።

ኣብቲ ስነስርዓት መኽፈቲ ብዛዕባ ጠንካራ ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪካ ዘጉልሃ ሚጊሮ እታ ኣህጉር ኣብ ዓለም ህፁፅ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት የርእያ ካብዘለዋ ዓሰርተ ሃገራት እተን ሽዱሽተ ዝርከባላ ክፍለ ዓለም እያ ክብላ ተዛሪበን።ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ንዓለማዊ ቅልውላው ተፃዊሩ ይጉዓዝ ካብዘሎ ዞባ ሓደ ምዃኑ’ውን ሓቢረን።

ዲያራ መራሕቲ ኣፍሪካ ከም ህንዲ፡ቻይናን ደቡብ ኮሪያን ንዝኣመሰላ ይግስግሳ ዘለዋ ሃገራት ከመይ ክምዕብላ ከምዝኽኣላ ካብአን ክምሃሩ ከምዘለዎም ኣተባቢዖም።

ናይ ባሕሪ በሪ ንዘይብለን ዘይማዕበላ ሃገራት ኣፍሪካ ኢሎም ዲያራ ዘለወን ፀቢብ ቁጠባዊ መሰረት ሓዊሱ ማሓውራዊ ዛዕባታተን ንኸይምዕብላ ፈታኒ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ኣብቲ ንኽልተ ማዕልታት ዝፀንሕ ኮንፈረንስ ሓለፍቲ ኣብ ኣፍሪካ ዝሰርሑ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ 400 ልኡኻት ይሳተፉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG