ምንስቴር ወፃኢ ሩዋንዳ ሕብረት ኣፈሪካ እታ ኣህጉር ኣጋጢምዋ ንዘሎ ዘይምርግጋ ፍታሕን መሪሕነትን ክህብ ኣይክኣለን ክብላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ነቒፈን።
ምንስቴር ወፃኢ ሩዋንዳ ሊዊዝ ሙሺኪዋቦ ንመዘንአን ኣፍሪካዊያን ምንስቴራት ኣብዘስምዕኦ መደረ የጋጥሙ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብምፍታሕን ካልኦት ድማ ንከይፍጠሩ ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉን ግልፂ ዝርርብ ምክያድ እዋኑ ሕዚ እዩ ኢለን።
ንሰን ብምቕፃል ‘’ኣብ ቱኒዝያ፣ግብፂን፣ሊብያን ቅልውላዋት ምስ ኣጋጠሙ፣ኣብ ኮት ዲቫር ምርጫ ስዒቡ ዝተልዓለ ቅልውላው፣ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ቡርኪና ፋሶን ዩጋንዳን ዓመፅ እናረአና ንሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ ዘስግእ ሓድሽ ሓደጋ ምዝርራብ ካብዚ ሕዚ እዋን ዝበለፀ ግዜ የለን።’’ኢለን።
ሙሺኪዋቦ ኣፍሪካ ዘጋጥሙዋ ዘለው ዓመፃት ካብዝግባእ ንላዕሊ ንስእሊ እታ ኣህጉር እናጎድአ ከምዝርከብ ሓቢረን።ነቐፍቲ ንጉዳይ ሊብያ ብምጥቃስ ሕብረት ኣፍሪካ ንመትከላት ሰናይ ምሕደራ ጠጠው ኣይብልን ኢሎም ከምዝነቕፉ እውን ተዛሪበን።
እተን ምንስቴር ወፃኢ ሩዋንዳ ቅልውላው ሊብያ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣንፃር ናይ ባዕሎም መራሒ ስጉምቲ ናይምውሳድ ድልየት ወይ ተኽእሎ ዘለዎም ምዃኖምን ዘይምዃኖም ኣብ ሕቶ ከምእተዎ ብምውሳኽ ሓቢረን።
ኮምሽነር ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፈሪካ ራምታነ ላማምራ’ውን ሕቡራት መንግስታት ካብ በረራ ነፃ ዝኾነ ዞባ ምጥያሹን ኔቶ ኣንፃር ደገፍቲ ሓይልታት ጋዳፊ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱን ነቲ ቅልውላው መፍትሒ ኣየምፅአን ክብሉ ነቒፎምዎ።
ምንስቴር ወፃኢ ሊብያ ዓብደላቲ ኦበይዲ ነቲ ኣኼባ ካብ መንጎ ዝተኸታተሉ ምንስቴራት ሓደ ነይሮም።ሊብያ ኣብሽግር እንተሃለወት እውን ናይ ሕብረት ኣፍሪካን ናይ ሰላምን ፀጥታን ቤት ምኽሪ ኣባልነታ ኣብፅቡቕ ደረጃ ይርከብ።