ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ይርከብ ዘሎ ሓድሽ ሃብቲ ነዳዲ ንኣፍሪካ መርገም ከይኸውን ስግኣት ኣሎ


ኣብ ፍሪካ ሃብቲ ነዳዲ ካብ ዝህቦ ረብሓ ጉድኣቱ ይዓዝዝ ተባሂሉ

ኣብ ኣፍሪካ ካብ ኬንያ ክሳብ ኣይቨሪ ኮስት ይርከብ ዘሎ ሓዱሽ ሃብቲ ነዳዲ ንዜጋታትን መንግስትን ህፁፅ ሃፍቲ ንኽሓልሙ ይገብሮም ኣሎ።ታሪኽ ከምዝሕብሮ ግን እቲ ፀጋ ንዜጋታት ኣምረቲ ነዳዲ ሃገራት ካብ ዝህቦ ጥቕሚ ጉድእቱ ይዓዝዝ።

ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝባ 685 ሽሕ ዝኾነ ኢዃተሪያል ግኒ ኣብ 1990ታት ኣ/ፈ ነዳዲ ክትረክብ እንተላ እታ ሃገር ካብ ዝደቀሰት ሃገር ናብ ናይ ነዳዲ ሃገር ንዝለኣለም ክትሰጋገር ኣኽኢሉዋ እዩ።

ብመሰረት ፀብፃብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣብ 1997 ኣ/ፈ ናይታ ሃገር ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት ናብ 71 ምእታዊ ዓብዩ እዩ።ናይዚ ምንጪ ዳርጋ ብምልኡ ነዳዲ እዩ።ኣብ 2009 ኣ/ፈ እታ ሃገር ካብ መሸጣ ነዳዲ ሸሞንተ ቢሊዮን ዶላር ረኺባ እያ።

እንተኾነ እቲ ሃብቲ ንናይታ ሃገር ምልካዊያን መራሕቲ እዩ ብዝበለፀ ኣገቢሉ።ህይወት 685 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ምምሕያሽ ብዙሕ ኣይዓበሰን።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት መዐቀኒ ሰብኣዊ ልምዓት ኢዃተሪያል ጊኒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ 187 ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 136 ትስራዕ።

ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ቻትሃም ሃውስ ሓላፊ ፕሮግራም ኣፍሪካ ኣሌክስ ቪነስ መብዛሕቲኦም መንግስታት ኣፍሪካ ንናይ ነዳዲ እቶት ኣብ ክንዲ ንልምዓት ንዓርሶም እዮም ዝበልዕዎ ይብሉ።

ግሎባል ዊትነስ ኣብዝብሃል ንናይ ተፈጥሮ ፀጋታት ዝከታተል ትካል ዝሰርሑ ብረንዳን ኦ’ዳነል ምንጪ እቲ ሽግር ግዕዝይና እዩ ይብሉ።

ኣብ ኬንያን ኣይቨሪኮስትን ነዳዲ፡ኣብ ማያት ታንዛኒያ ድማ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ዝተረኸቡ ሓደሽቲ ፀጋታት ንኣታሓሳስባ መርገም ፀጋታት ዳግም ክልዓል ገይርዎ’ሎ።

ኡጋንዳ ኣብ 2006 ኣ/ፈ ነዳዲ ብምርካባ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ፍሪያት ክትጅምር እያ።ካምፓላ ኣብዝመደብሩ ማእኸል መፅናዕቲ ቁጠባዊ ፖሊስ ላውረንስ ባተግካ እቲ ርኻቦት ነታ ሃገር ዝለዓለ ተስፍ ሂቡ እንተነበረ’ዃ ኣብ ከይዲ ኮንትራክት ግሉፅነት ዘይምህላው ግን ሕቶ ኽልዓል ጀሚሩ’ሎ ይብሉ።

ነዳዲ ዝረኸባ ሃገራት እቲ ቁጠባዊ ዕድል ከይባኽን ክሕልውኦ ኣለወን ይብሉ ሰራሕተኛ ግሎባል ዊትነስ ኦ’ዳነል። ኩባንያትታ ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ማዳጋስካርን ላይበሪያን ሓዊሱ ኣብ ምሉእ ኣፍሪካ ስርሒቶም ኣጠናኺሮም ቀፂሎም ኣለው።ናይ ግዜ እዋን እንተዘይኮይኑ ካሊእቲ ሃገር እውን ምስ ኣምረቲ ነዳዲ ሃገራት ብዘይብጥርጥር ክትፅንበር እያ።

XS
SM
MD
LG