ገለ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ሕገ-መንግስቲ ኣለወን።እንተኾነ ኣብ ክንዲ ኣብ ትግባረ ሕገ-መንግስቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ትኹረት ዝህባሉ ነቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ጥራሕ እዩ ክኢላታት ኣፍሪካ።
ድህረ ዘርኣዊ ስርዓት /ኣፓርታይድ/ ሕገ-መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ 1997 ኣ/ፈ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዴሞክራሲ፡ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምስፋን ኣብነት ፅቡቕ ሕገ-መንግስቲ ተገይሩ ይርአ።
ኣብ ዪንቨርስቲ ቦስተን ዳይረክተር ማእኸል መፅናዕቲ ኣፍሪካ ዝኾኑ ቲሞቲ ሎንግማን ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ጉዳያት ኣፍሪካ ግን ግጭት ቡሩንዲ ስዒቡ ዝወፀ ሕገ መንግስቲ ከም ካሊእ ፅቡቕ ኣብነት ይጠቕሱዎ።
ኣብ ዋሽንገተን ዝመደብሩ ኣትላንቲክ ካውንስል ኣብ ዝተብሃለ ትከላ ዝሰርሑ ጄይ ፒተር ፋም ከም ዴሚክራሲዊ ሪፓብሊክ ጎንጎ ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ፅቡቅ ሕገ መንግስቲ ኣለወን ይብሉ።ኣብተግባር ዘይውዕል እንተኾይኑ ግን ብዙሕ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ዩኒቨርስቲ የል መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝኾኑ ብትውልዲ ደቡብ ኣፍሪካዊ ኢያን ሻፒሮ ሕገ-መንግስታት ሰፊሕ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕድላት ከሳልጡ ኣለዎም ይብሉ።
ሕማቕ ሕገ-መንግስቲ ንምዕባለ ይድርት እዩ፡ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዝሰፈረ ፅቡቕ ሕገ-መንግስቲ’ውን መፈንቅለ መንግስታት ካብ ምኽሳትን ሕድ ሕድ ዅናት ካብ ምክያድን ኣየድሐኑን ይብሉ ብምውሳኽ ሻፒሮ።