ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክካይድ ዝቐነየ ኣኼባ ሚዲያ ኣፍሪካ ተዛዚሙ


African map
African map
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰልሰተ ማዕልታት ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ መድረኽ ሚዲያ ኣፍሪካ ሎማዕንቲ ዓርቢ ተዛዚሙ።ዋላ’ዃ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣፍሪካ እገዳታትን ዓፈናን ይፍፀሞም እንተሃለወ እውን ነፃነት ፕረስ ዝለዓለ ኣጀንዳ እቲ ኮንፈረስ ኣይነበረን ተባሂሉ’ሎ።

ኣሰናዳእቲ እቲ ኮንፈረንስ ቀንዲ ጠመተ እቲ ኣኼባ ምዕባለ ንግዲ፣ናይ ቴክኖሎጂ ምህዞ፣ኣመራርሓን ስነ ሞራልን እዩ ይብሉ።ኣብ ንግዳዊ መዳይ ሚዲያ ምይይጥ ምክያድ ብዛዕባ ነፃነት ፕረስ ክትዕ ክኸፍት መንገዲ ዝህብ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ንትካል ዓለምለኸ ፕረስ ዝሰርሓ ኣሊሰን በቴል ናይ ኣፍሪካ መድረኽ ሚዲያ ንዛዕባ ነፃነት ፕረስ ቀዳምነት ዘይምሃቡ ዘሰንብድ እዩ ይብላ።

ካብ ናይ ንግድን ፍቓድን መዳዩ ብተወሳኺ ንሚዲያ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኣለው ምስበላ ኣስዒበን ‘’ነፃነት ፕረስ እውን ውራይ ንግዲ ንምፍፃም ኣዝዩ፣ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እኹል መዘራረቢ ግዜ ክምደብ ነይሩዎ’’ኢለን።

ስራሕቲ ምዲያን ፈተናታት ነፃነት ፕረስን ኣፍሪካ ዝጠመተ ናይ ሓደ ሰዓት ጎናዊ ኣኼባ ጥራሕ እዩ ተኻየዱ።ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፁ ጋዜጠኛታት ናይ ጋዜጠኝነት ስርሖም ኣብ ዘሰርሕሉ እዋን ዘጋጥሞም ምንክልባት፣ማእሰርትን ምፍርራሕን ተመኩሩኦም ኣካፊሎም ኣለው።

ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ Committee to Protect Journalists ዝተብሃለ ትካል መራሕቲ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ዓፈና ክዘራረቡ ፀዊዑ ነይሩ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልተ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ከባቢያዊ ግዕዝይና ድሕሪ ምፅብፃቦም ብዘይ ኽሲ ንከባቢ ሽዱሽተ ማዕልታት ተኣሲሮም እዮም።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ልዕሊ 75 ናይ መራኸቢ ብዙሃን ውፅኢታት ተዓፅየን።ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ብኽስታት ሽብር ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ኣቶ ኣማረ ኣረጋዊ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ትሕተም ዝዓበየት ጋዜጣ ሪፖርተር ማነጂንግ ኤዲተር እዩ።ንሱ ናይ ሙያ ብፆቱ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃን ኣፍሪካ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፕረስ ነፃነት ኣብ ምምሕያሽ ጊደ ክፃወቱ ይኽእሉ እዮም ይብል።

ምኽሪ ኣብ ምሃብ፤ተመኩሮታቶም ኣን ምክፋልን ኣብ ምስልጣን ኣበርክቶ ህክልዎም ይኽእሉ እዩ ምስ በለ ኣስዒቡ ‘’ሓል ሓሊፍ ሰባት ወይ መንግስቲ ክሰምዑኻ ዱልዋት ኣይኮኑን።ብኻሊእ ወገን ድማ ገሊኦም ዓለምለኸ መራኸቢ ማዕኸናት ኣብ ክንዲ ሓገዝ ምሃብ ኣብ ምንቃፍን ምንእኣስን የተኩሩ’’ ኢሉ።

ኣብ ክፍለ ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብ 2012 ኣ/ፈ 28 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም።ሱማሊያ ንጋዜጠኛታት እታ ዝኸፍአት ሃገር እያ።12 ሃገራት ኣፍሪካ ነፃነት ሓበሬታ ዝምልከት ሕጋታት ኣፅዲቐን።ከም ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ንሰራሕተኛታት ሚዲያ ብምንክልባት ይኽሰሳ።ኣብ ዶሃ ዝመደብሩ ትካል ነፃነት ሚዲያ ካብ 2008 ኣ/ፈ ጀሚሩ ካብ ኢትዮጵያ፣ሱማሊያ፣ኤርትራ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን150 ጋዜጠኛታት ክስደዱ ተገይሮም እዮም ይብል።
XS
SM
MD
LG