ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኣታተወ ፕሮግራም ምኽልካል ዓሶ ኣብ ንጥፈታት ተማሃሮ ለውጢ ኣመዝጊቡ


ኣብ ኣፍሪቃ ንተማሃሮ መሰረታዊ ናይ ዓሶ ትምህርትን ሕክምናን ብምሃብ ኣብ ትምህርቶም ክነፍዑ ምሕጋዝ ከምዝክኣል ሓድሽ መፅናዕቲ ይገልፅ።ብዕድመ ዕብዪ ዝበሉ ህፃናት ብዓሶ ናይ ምሟት ዕድሎም ዝተሓተ’ዃ እንተኾነ ረኽሲ ዓሶ ብትኹረት ንከይሓስቡ ግን ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ።

ጠመተ መብዛሕቲኦም ፕሮግራማት ምኽልካል ዓሶ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ዘተኾረ እዩ።ብዙሓት ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ተማሃሮ ቆልዑ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ሕማም ከይተርኣዮም ዓሶ ኣብ ነብሶም ክሽከሙ ይኽእሉ።ህፃን ሕክምና እንተዘይረኺቡ እናገደደ ከምዝኸይድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፅርየትን ትሮፒካል መድሓኒትን ተመራማሪት ዶ/ር ሲያን ክላርክ ይገልፃ።

“ናይ ዓሶ ፅግዕተኛ ንቀይሕ ዋህዮታት ደም የዕንዎ፤ከም ሳዕቤኑ ድማ ህፃናት ንከቢድ ዋሕዲ ደም ይቃልዑ።ብሓፈሻ ዋሕዲ ደም ዘለዎም ህፃናት ድኻም ይስምዖም፣ይፈዙ፣ብዙሕ ኣይንቀሳቐሱን።”

እቲ መፅናዕቲ ንኣስታት 2,000 ህፃናት ተማሃሮ ዘሳተፈ እዩ።ህፃናት ኣድሕን ዝተባህለ ትካል ቤት ትምህርቲ ፅርየትን ትሮፒካል መድሓኒትን ለንደን ምስ ሃገራዊ ኢንስቲቱት ምርምር ህዝባዊ ሕክምና ማሊ ብምትሕብባር እዩ ተኻይዱ።

ናይ ዓሶ መቆፃፀሪ ፓኬጅ ብመማህራኖም ኣቢሉ ንፍርቂ እቶም ህፃናት ተምሃሮ ተዋሂቡ።ናይ ምክልኻል ትምህርቲ፣ፀረ ጣንቱ ዝተነጽገ ዛንዚራ (ላምስያ)ን ፀረ ዓሶ ሕክምናን ዝሓዘ እዩ።ከም ውፅኢት መጠን ምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ካብ 80 ሚእታዊት ናብ ሓሙሽተ ሚእታዊት ወሪዱ፤ሕማም ዋሕዲ ደም እውን ብፍርቂ ነኪዩ።

ዶ/ር ክላርክ ብተወሳኺ ከምዚ ይብሉ።

“ስለዝኾነ ህፃናት ኣቓልቦ ናይ ምግባር ተኽእሎኦም ወሲኹ።”

ትካል ህፃናት ኣድሕን እቲ ፕሮግራም ኣብ ማሊ ናብ 400 ኣብያተ ትምህርቲ ክጋፋሕ ሓጊዙ። ማሊ ፈተነ ዝካየደላ ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ብመሰረት ዶ/ር ክላርክ ናይ መጀመሪያ መፅናዕቲ ምሉእ ዓመት ሕማም ዓሶ ኣብ ዝስፋሕፍሕላ ኬንያ እዩ ተኻየዱ ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ማሊ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ካብ ዋሕዲ ደም ምክልኻል ብፍሉይ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ፤ምኽንያቱ መጠን ትሕቲ ዕድመ መርዓን ጥንስን ዝለዓለ ስለዝኾነ።ዋሕዲ ደም ኣብ እዋን ጥንሲ ዝተሓተ ክብደት ዘለዎ ህፃን ክውለድ ዝተወልደ ህፃን ድማ ናይ ምሟት ዕድሉ ዝለዓለ ይገብሮ።

XS
SM
MD
LG