ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 50 ቢልዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ትኸስር ከዘላ ተገሊጹ


ኣፍሪቃ ኣብ ዓመት ኣስታት 50 ቢሊዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ትኸስር ከምዘላ ተገሊጹ። ኣብቲ ዝርዝር ናይጀሪያ ቀዳመይቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ካልአይቲ ብምኳን ተረቑሐን ኣለዋ።

ፈይዞን ዊኒፍሬድ ኣብ ዋና ከተማ ካሜሩን ያውንደ ኣብ ዝርከብ ከባቢያዊ ባንኪ ዓማዊል፡ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ባንክ ብኢንቨስትመንት ፈንድ ገንዘብ ከምዝልእኹ ገሊጹ።

ምንጪ ናይቲ ገንዘብ ካበይ ከምዝኾነ ኣይንፈልጥን።ገንዘብ ክዕቕቡ ዝመፁ ብሓጎስ ኢና ንቕበሎም።እቲ ገንዘብ ካበይ ኣመፂኢኻዮ/ኺዮ ኢልካ ብምሕታት ስለምንታይ ነቲ ሰብ ተጨንቖ?ሰባት ገንዘቦም ንኽዕቕቡ ኢና ነተባብዖም።

“ሓደ ሰብ ናብ ባንኪ ዘእተዎን ዘውፅኦን ገንዘብ ደረት እንተሃሊዩዎ ተሓቲታ ከምዚ ክትብል ትምልስ።

“ኣይፋልን፣ኣይፋልን፤ኣይፋልን።ኣየገድሰናን።ደረት የብሉን።ክንድ ዝደለኻዮ ክተእትው ትኽእል፣ከምኡ ኢና ንደሊ።”

ከምዚ ዝበለ ቁፅፅር ዘይብሉ ምትሕልላፍ ገንዘብ ኣብታ ኣህጉር ልሙድ ምዃኑ ናይ ካሜሮን ሚኒስትር መንግስታዊ ኦዲትን ዋና ፀሓፊት ናይ ኣፍሪቃ ትካል ጠቕላሊ ኦዲትን ሮዝ ኣቻ ይገልጻ።ሃገራት ዋሕዚ ገንዘብ ዝቆፃፀራሉ ፅኑዕ ሕጊ ስለዘይብለን ኣፍሪቃ ብዙሕ ካብ ገንዘባ ትስእን ኣላ ይብላ።

ብዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣቢሉ ብኮንትሮባንድን ብሕቡእን ዝውሕዝ ገንዘብ 65 ሚእታዊት ይሽፍን።ዝተወደበ ገበንን ግብረሽበራን ንምሕጋዝ ዝልኣኽ ገንዘብ 30 ሚእታዊት፣ብብልሽውናን ግብሪ ብዘይምኽፋል ድማ 5 ሚእትዊት ከምዝወፅእ ይገልፃ።

ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ዝቆፃፀር ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ኣካል፡ ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 50 ቢልዮን ዶላር ትስእን ከምዘላ ይገልፅ። ኣፍሪቃ ንስራሓት ልምዓት ካብ እትረኽቦ ወግዓዊ ሓገዝ ዳርጋ ክልተ ኢድ እዩ።

ኣብ ያውንደ ዝተኣከቡ ኣፍሪቃዊያን ክኢላታት ግብርን ኦዲትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ናብ ደገ ተውሕዝ ዝኸፍአት ሃገር ናይጀሪያ ክትኸውን ከላ ካብ 2003 ክሳብ 2012 ዓ.ም ኣብዘሎ እዋን 157 ቢልየን ዶላር ካብታ ሃገር ወፂኡ’ሎ።ደቡብ ኣፍቃካ ኣብ ውሽጢ እቶም ዝተጠቕሱ ዓመታት 122 ቢልዮን ዶላር ብምውፃእ ካልአይቲ፣ግብፂ ድማ 37 ቢልዮን ዶላር ብምውሓዝ ሳልሰይቲ ኮይና’ላ።

ኣብ ኒጀር ቤት ፅሕፈት ባጀት ዝሰርሕ ማጋጊ ታንኮ ካብ ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ብዙሕ ገንዘብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከምዝልኣኽ ይገልፅ።በኣንጻሩ ካዝና ህዝባዊ ስራሕት እናተሸገረ ከሎ ማለት እዩ።

ካብ ምዝውዋር አደንዛዚ ዕፅ፣ኢንቨስተራት ግብሪ ንዘይምኽፋል ክብሉ ናብ ወፃኢ ዝልእኹዎም ኣቑሑት ዝተሓተ ዋጋ ብምቕራብ ካብ ወፃኢ ድማ ውሑድ ሸርፊ ወፃኢ ብምእታው ዝዓበየ ትርፎም ኣብ ወፃኢ ሃገር ኣብዝርከብ ናይ ባንኪ ሒሳቦም ይዕቕቡ።

ፀሓፊ ምምሕዳር ግብሪ ኣፍሪቃ ላጋን ዎርት ዞባዊ ስርዓት ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልፁ።

መንግስታት ኣፍሪካ ነዚ ንምክልኻል ክገብሩዎም ዘለዎም ስርዓታት ፅኑዕ ናይ ግብሪ ሕጊን ፖሊሲ ቐረፅን ምዝርጋሕ እዩ።ሃገራት ኣፍሪካ ሕድ ሕደን ኣብዘካይድኦ ርክባት ንግዲ ናይ ቀረፅ ስምምዓት ምግባር ሓዊሱ ማለት እዩ።

እቶም ክኢላታት ባንኪ ዓለምን አደንዛዚ ዕፅን ገበንን ዝከታተል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈትን ብሓባር ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕርታት ተበግሶ ምምላስ ዝተሰርቀ ንብረት ንምስራሕ ወሲኖም ኣለው።ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ነዊሕን ከቢድን እዩ፤ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት ባንክታት ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ዕዳግኦም ምስጢር ስለዝኾነ ይብሉ።

እዞም ክኢላታት ዝበዝሕ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ብኣዚዩ ዝተሓላለኸ ናይ ገበናት መርበብ ስለዝሓልፍ ኣኽበርቲ ሕግን ሰበስልጣን ግብርን ተኸታቲሎም ነቲ ገንዘብ ኣብ ምምላስ ድሩት ተኽእሎ ከምዘለዎም ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG