ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ፃዕሪ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ፀገም ኣጋጢሙወን'ሎ



ሎም-ቅነ ወግዓዊ ዝተግበረ ሪፖርት ኣድማሳዊ ኩነታት ጥምየት፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ፃዕሪ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ኣጋጢሙወን ንዘሎ ግድል ኣነፂሩ‘ሎ።

ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ደርቂ ንምጥፋእ ንዝግበር ቅልስ ዓንቂፎም ዘለው ጠንቅታት፣መንግስታት ለውጢ ከምፅኡ ዘይምኽኣሎም፣ ውግእ ሕድ-ሕድ፣ኣልቦ-ፖለቲካዊ-ምርግጋእ፣ቁፅሪ ግዳያት ኤይድስ ምንሃር ገሊኦም‘ዮም ይብል እቲ ዓመታዊ ሪፖርት ፖሊሲ መግቢ።

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቁጠባዊ ምዕባለ ካብ ዘመዝገባ 3 ሃገራት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኢትዮዽያ ካብ ሚእቲ ሰባት እቶም 51 ብቁዕን ተመጣጣኒን መግቢ ዘይረኽቡ‘ዮም፣እታ ሃገር ድማ ካብ‘ተን ኣዝየን ዝጠምያ ሓሙሽተ ሃገራት እታ ሓንቲ ምኻና ይገልፅ።ናይ‘ቲ ትካል ምክትል ዳይረክተርን ሓላፊ ክፍሊ መፅናዕትን ፓወል ዶሮሽ።

ኣብ‘ቲ መፅናዕቲ ብዛዕባ ዕድሚኦም ትሕቲ ፭ ዝኾኑን ሳኣን መግቢ ዝቀምሰሉን ወይካኣ ዝሞቱ ህፃናት ዝተጠቀሰ ኣሃዝ፣ውፅኢት ናይቲ ብኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ኣብ 2004 ኣብ ዝተካየደ ዛዛሚ ሃገራዊ ካብ ቤት ናብ ቤት መፅናዕቲ ዝተመስረተ‘ዩ ይብሉ።

ስለዚ፣እቲ ሪፖርት ኣብ ዝሓለፉ ፭ ዓመታት ንዝተመዝገበ ምዕባለ ዝሓቆፈ ስለዘይኮነ ሓድሽ ኣይኮነን ይብሉ።ኢትዮዽያ ብመግቢ ርእሳ ንክትክእል ነዊሕ መንገዲ ይፅበያ‘ሎ፣ክማልኡ ዘለዎም ድማ ቀዳማይ ፕሮግራም ልምዓት ውሕስነት መግቢ ከምኡውን ትግባረ ፭ ዓመት ፕሮግራም ምድንፋዕ ሕርሻዊ ማእቶት’ዩ ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን፣ኣዝዩ ዘሻቅል ህዝቢ ዝጠምየለን ሃገራት ቡሩንዲ፣ቻድ፣ኮንጎ-ኪንሻሳን ኤርትራን‘የን ይብል ሪፖርት ፖሊሲ መግቢ።ዕፁው ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ኩነታት‘ዘን ሃገራት ኣበርክቶ ኣለዎ‘ውን ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም ኤርትራ፣ኣዝዩ ኣዝዩ ፅንኩር ተፈጥሮኣዊ ኩነታት ዘለዋ ሃገር‘ያ።ንመስኖኣዊ ሕርሻ ዘለዋ ዕድል ፀቢብ‘ዩ።ደርቂ ደጋጊሙ ዘጥቃዓ ሃገር‘ያ።ብመንፅር ቁጠባን ፖለቲካን ድማ ካብ ዓለም ዝተገለለት ሃገር‘ያ።እዞም ዝተጠቅሱ ፀገማት ንድኽነት ኣበርክቶ ነይሩዎም፣ከምኡውን ቁጠባዊ ምዕባለ ንከይምዝገብ ዓንቂፎም‘ዮም ኢሎም።

ብኻልእ ወገን፣ኤርትራ ካብ ዓለም ንርእሳ ዘገለለት ስለዝኾነት፣ኩነታታ ንምፅናዕን ንምፍላጥን ኣይተካእለን ይብል ሓጋዚ ዳይረክተር ኣድማሳዊ መፅናዕቲ ፖሊሲ መግቢ ፖል ዶሮሽ።

XS
SM
MD
LG