ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጥሞ ዝበዝሑ ምዝንባላት ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ምዃኖም ተፈሊጡ


ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጥሙ ዓሰርተ ዝኸፍኡ ቅልውላዋት ምዝንባላት እቶም ትሽዓተ ኣብ ኣፍሪካ ከምዘጋጥሙ ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ዝገለጸ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ዓመታዊ ፀብፃቡ እዩ ።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣፍሪካቃያውን ዝግለፅ ዓሚቕ ቅልውላው ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዝወሓደ ገንዘብ ዝምደበሉ፣ዕሽሽ ዝተባህለን ጠመተ ዘይተገብረሉን እዩ ኢሎም።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ልምሰት፣ ድኹም ስራሓት ረድኤትን ትሑት ናይ ሚዲያ ኣቓልቦን ገሊኦም ምኽኒያታት እዮም ።

ኣብ ዝርዝር እቶም ዝተረስዑ ምዝንባላት ካሜሮን ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ።ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ልዕሊ 679,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ዴሞራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ቡርኪና ፋሶ፣ብሩንዲ፣ቨኔዝዌላ፣ማሊ፣ደቡብ ሱዳን፣ ናይጀሪያ፣ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ኒጀርን ድማ ቀጺለን ተሰሪዓን ኣለዋ።

እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ኣብ ሃገራት ሳሕል ኣፍሪቃ ዝተዘርዘራ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፣ማሊ፣ናይጀሪያን ኒጀርን ብሰንኪ ኣሸበርቲ ዝወረደ ምዝንባላት ግን ድማ ዝተሓተ ሓገዝ ዝረክብ ዘሎ እዩ ይብል ። ቨኔዝዌላ ጥራሕ እያ ካብ ኣፍሪቃ ወፃኢ ተጠቒሳ ዘላ።

ለበዳ ቫይረስኮሮና ነቲ ኩነታት ከምዘጋድዶ እውን ገሊፁ ኣሎ።

ህዝቢ ሓበሬታ ክረክብ፣ብዛዕባ ዝተረስዑ ቅልውላዋት ድምፁ ከስምዕ፣ ሕፁያትን ተወዳደርቲ ፓርትታትን ኣብ ምርጫ ክወዳደሩ ከለው ሰብኣዊነት ብዝምልከት ዘለዎም ፖሊስታት ክሕተቱን ክኢላታት ይፅውዑ ኣለው።

XS
SM
MD
LG