ኣብ ሞሮኮ ዝተረኽበ አሰር ህይወት ንመሰረት ደቂ ሰባት ዝቅይር'ዩ ተባሂሉ
ኣሰር ህይወት ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዝነበሩ ዳይናሶር ኣብ ሰሜናዊ ሞሮኮ ምርኻቡ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣብ ዓጽሚ ኮራርምቲ እቲ ዝተረኽበ አሰር ህይወት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብዩኒቨርሲቲ ባዝ ብሪጣንያ ቅድሚ ምጽናት ዳይናሶርስ ፍሉያት ዓሌት ዳይናሶር ኣብ ኣፍሪቃ ይነብሩ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ‘ሎ። ዶ/ር ኒክ ሎንግሪክ መምህር ኣብ ዪኒቨርሲቲቲ ባዝ ብሪጣንያ “ ካብ ብጣዕሚ አገዳሲ ዝኾነ ጊዜ ቅድሚ 66 ክሳብ 67 ሚልዮን ዓመታት እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ ምጽናት ዘርኢ ናይናሶራት’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበሩ ዝነበሩ ዳይናሶራት ጽቡቕ ዝኾነ ምስሊ ኣለና። እንተኾነ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከም ኣፍሪቃ ዝአመሰሉ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝነበሩ ዳይናሶር ግን ኣፍልጦ የብልናን። እዚ ናይ መጀመርያ አሰር ህይወት ዳይናሶር ካብ ኣፍሪቃ’ዩ።”
ኢፒሶዳት
-
መጋቢት 27, 2023
▶ገበናት ክትራን ስርቂን ዓዲግራት ንነበርቲ የሻቕል
-
መጋቢት 25, 2023
▶ዕላል ምስ ወናኒ 'ሸጋ ፊልምስ' ተስፋማርያም ዳርጌ
-
መጋቢት 25, 2023
ርእይቶ ተቓወምቲ ወድባት ትግራይ ኣብ ምሻም ኣቶ ጌታቸው ረዳ
-
መጋቢት 24, 2023
ስትሪንግ ኣርት -ብፈትሊ ዝስራሕ ኢደ ጥበብ
-
መጋቢት 23, 2023
ርእይቶ ገለ ነበርቲ መቐለ ኣብ ምሿም ዋና ኣመሓዳሪ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ