ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስታት ንናይ ውልቂ ዘፈር ኢኮኖሚ ተኪኦም ቀንዲ ሞተር ልምዓት ዝኾንሉ ሓዲሽ ኣንፈት ልምዓት ክተታቶ ኣለዎ ኢሎም ኣቶ መለስ


ናይ ምዕራባውያን ኒዮ-ሊበራሊዝም ኣንፈት ምዕባለ፡ ንኣፍሪቃ ዕብየት ኣብ ምምጻእ ፈሺሉ`ዩ`ውን ይብሉ

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ መንግስታት ንናይ ብሕቲ ዘፈር ልምዓት ተኪኦም ቀንዲ ሞተር ልምዓት ዝኾንሉ ሓዲሽ ኣንፈት ልምዓት ክተአታቶ ፅዊዖም።

ኣቶ መለስ ዜናዊ ነቲ ጉባኤ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ንዓሰርተታት ዓመታት ክስራሓሉ ዝፀንሐን እናጎልሐ ዝመፀን ናይ ኒዮ-ሊበራል ኣንፈት ምዕባለ ንአፍሪቃ ዕብየት ኣብ ምምፃእ ፈሺሉ'ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተዛረቡ ናይ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ፕራዚደንት ዶናልድ ካበሩካ ሚኒስተራት ፖሊሲኦም ንድልየት ኹሉ ማሕበረሰብ ምሕቃፉ ኸረጋግፁ ኣለዎም ኢሎም። ኣብ ቀረባ ኣብ ስሜን ኣፍሪቃ ዝተራእየ ፍፃመታት ኹሉ-ሓቆፍ ዕብየትን ንመንእሰያት ዕድላት ዝፍጠርን ንኽኸውን ህፁፅ መዘኻኸሪ'ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG