ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ከቢድ ጾር ወጻኢታት ትስከም ከምዘላ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር


ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ- ፋይል
ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ- ፋይል

ኣፍሪቃ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ከቢድ ጾር ትስከም ከምዘላን፡ ብዙሓት ሃገራት ንዝረኣ ጽንኩር ኩነታት ክሊማ ንምቅላስ ካብ ባጀተን ክሳብ 9 ሚእታዊት ከውፅኣ ይግደዳ ምህላወን ዓለምለኸ ትካል ትንበያ ኩነታት ኣየር(WMO) ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ገሊፁ።

ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዝተሓተ መጠን ዝተበከለ ኣየር እተውጽእ’ዃ እንተኾነት ኩነታት ኣየር’ታ ኣህጉር ግን ዝያዳ እናንቆልቆለ ይኸይድ’ሎ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዒ፡ ብርቱዕ ውሕጅን ዝተናወሐ ደርቂን ዝኣመሰሉ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ካብ ውሽጣዊ ሓፈሻዊ ምህርተን ካብ2-5 ሚእታዊት ይኸስራ’ለዋ ክብል ንኩነታት 2023 ክሊማ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዓለምለኸ ትካል ትንበያ ኩነታት ኣየር ዘውፅኦ ፀብፃብ ይሕብር።

ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ነዚ ኩነታት ንምፅዋር ኣብ ዝቅፅል 10 ዓመታት ካብ 30-50 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ክገብራ ከገድደን’ዩ ዝበለ’ቲ ፀብፃብ፡ ሃገራት ህይወት ንምድሓን ንኣገልግሎታት ቅድመ መጠንቀቅታ ብቅልጡፍ ንምትግባር ገንዘብ ከውፍራ ተማሕጺኑ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG