ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራሲ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ይርከብ ኢሎም ጆኒ ካርሰን


Johnnie Carson
Johnnie Carson

ሎሚ ዴሞክራሲ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ይርክበ፤ኣብቶም ዝሓለፋ 20 ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ዝተረኽቡ ዓወታት ሓደጋ ክገጥሞም ይኽእል እዩ ኢሎም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሓጋዚ ምንስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ ዝነበሩ ጆኒ ካርሰን።ነዚ ዝተዛረቡ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መደረኽ ምይይጥ እዮም።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 2016 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪካ ምርጫታት ክካየዱ እዮም።እዞም ምርጫታት እዚኣቶም ኣብ ዴሞክራሲ ዝህልዎም ትርጉም ዝምልከት ብብሄራዊ ናይ ዴሞክራሲ ተቛምን ምርጫ ንኣፍሪካን ዝተብሃሉ ትካላት ኣብዘዳለውዎ መድረኽ ፍሉጣት ክኢላታት ጉዳያት ኣፍሪካ ዝተሳተፍሉ ምይይጥ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ኣብዝርከብ ናይ ብሄራዊ ዴሞክራሲ ትካል ተኻይዱ’ሎ።

ነቲ ኣኼባ ብመደረ ዝኸፍትዎ ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚ ምንስቴር ጉድያት ኣፍሪካን ዝነበሩን ኣባል ቦርድ ናይ ብሄራዊ ዴሞክራሲ ተቛም ዝኾኑን ጆኒ ካርሰን እዮም።

ንሶም ከምዝገለፅዎ ኣብቶም ዝቕፅሉ 18 ኣዋርሕ ኣብ 16 ሃገራት ኣፍሪካ ፓርላመንታውን ፕሬዝዳንታውን ፕርጫታት ከም ዝካዱን ካብዚአን እቶም ሽዱሽተ ካብ ክልተ ናይ ስልጣን ዘመን ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ መራሕቲ እዮም ኢሎም።

ሕገ መንግስቲ ገሊአን ሃገራት እቶም መራሕቲ ናይ ስልጣኖም ዘመን ምስ ወድኡ ስልጣኖም ንኻሊእ ተመራፂ ኣረኪቦም ክሰናበቱ ከምዝሓትትን ገሊአን ሃገራት ነዚ ግብራዊ ይገብርኦ ከምዘለዋን ብምግላፅ ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት እቶም መራሕቲ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ንሕገ መንግስቶም ንምቕያር መንገድታት እናደለዩ እዮም ኢሎም።

‘’እዞም መራሕቲ እዚኦም ቅድም ክብል ዝወፀ ሕገ መንግስቲ ንውልቂ ፖለቲካዊ ድልየቶም ብዝጠቅም መንገዲ ምቕያት እንተኽኢሎም ኣብ ናይ ባዕሎም ሃገራት ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ውልቀ መለኽቲ ክፍጠሩ’’ እዮም ምስ በሉ ኣስዒቦም ድማ ‘’ዴሞክራሲ ንቕድሚት ከይኮነስ ንድሕሪት ክጉተት ክገብሩ እዮም’’ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ዴሞክራሲ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብን ኣብቶም ዝሓለፋ 20 ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ዝተረኽቡ ዓወታት ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእልን ሓቢሮም።

ሕገመንገስቲ ብዘቐምጦ መሰረት ሓደ መራሒ ስልጣን ዘመኑ ምስወድአ እንተወሪዱ ብቕዓት ዘለዎም ዜጋታት ንዝለዓለ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ንምውድዳር ዕድል ከምዝህቦም ሓቢሮም ጆኒ ካርሰን።

ምርጫ በይኑ ዴሞክራሲ ከይኮነስ ቀንዲ መስርሕ ዴሞክራሲያዊ ከይዲ እዩ ኢሎም ካርሰን

XS
SM
MD
LG