ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከይዲ ምርጫ ኣፍሪካ ንምምሕያሽ ክኢላታት ኣብ ካሜሩን ተኣኪቦም


Zimbabweans wait in line to cast their votes in Mbare township outside Harare, July 31, 2013.
Zimbabweans wait in line to cast their votes in Mbare township outside Harare, July 31, 2013.
ዴሞራሲያዊ ከይዲ ኣፍሪካ ሕርኽር ዘለዎ ስለዝኾነ 80 ሚእታዊ ውፅኢት ምርጫ እታ ኣህጉር ዘሰሓሕቡ እዮም።ከይዲ ምርጫ ኣፍሪካ ንምምሕያሽ ክኢላታት ኣብ ያውንደ ካሜሩን ተኣኪቦም ኣለው።

ናይ ኣፍሪካ ምርጫታት ናብ ህውከት፣ግዕዝይናን ከም ድላይኻ ምግባርን ዘዘምብሉ እዮም።ኣብታ ክፍለ ዓለም ከይዲ ምድማፅ ነፃን ሚዛናውን ንክኸውን ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ክጠናኸር ኣለዎ ይብሉ እቶም ክኢላታታ።

ኣብ ያውንደ ኣብዝተዳለወ ኮንፈረንስ ዝተሳተፉ ከም እኒ ኮምሽነር ሃገራዊ ምርጫ ካሜሩን ታምቤ ቲኩ ክርስቶፈር ዝኣመሰሉ ክኢላታት ድሕሪ ምርጫ ኣብ መንጎ ዓሌታት ህውከት ዝተወልዐሉ ናይ 2007 ኣ/ፈ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳብታዊ ምርጫ፣ኣብ 2011 ኣ/ፈ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝስዓበ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ኣይቨሪ ኮስት ቅድሚ ሰለሰት ዓመታት ንዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ውፅኢቱ ኣይቅበልን ዝበልሉ ቀንዲ መርእያታት እቲ ሽግር እዮም።

ኣብ ኣፍሪካ ክዋደዱ ዝፀንሑ ስርዓት ምርጫታት ኣይሰርሑን ዘለው ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ስለዚ እውን እዩ ልዕሊ 80 ምእታዊ ውፅኢት ምርጫታት ዘሰሓሕቡ ዘለው።ምርጫ ብዝግባእ ኣይተኻየደን፣ተሰሪቑ እዩ ዝብሉ ሰባት ኢኻ ትረክብ።ክንሰርሐሉ ዘለና ጉዳይ እዩ’’ኢሎም።
ደቡብ ኣፍሪካ፣ናምቢያን ሰኔጋልን ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሹን ናይ ምጭብርባር ዕድል ዘትሕቱን ብተነፃፃሪ ፅኑዕ ነፃ ኮምሽናትን ምርጫ ዘለወን ሃገራት እየን ይብሉ ክኢላታት።

ዴሞክራሲያዊ መስርሕ እናዓበየ ኣብዝኸደለን ሃገራት ተኣማኒ ምርጫ ንኽህሊ ዝሰርሕ The International Foundation for Electoral Systems ዝተብሃለ ትካል ኣብ ከይዲ ምርጫ ናይቲ ህዝቢ ኣረኣእያ ቁልፊ ታራ ኣለዎ ይብል።ንሰራሕተኛታት ምርጫ ምስልጣን፣ምውፃእ ሕጊ ምርጫ፣ምዝገባ መረፅቲ፣ናይ ምርጫ ናውቲ ምዝርጋሕን ውፅኢት ብግልፂ ዕላዊ ዝግበረሉን ኩሉ ብግዜ ዝተቐመጠ ስርዓት ምድላዋ ምርጫ ኣብ ቦትኡ ክህሊ ምግባር ማለት እዩ።ዝርዝሩ የድምፁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG