ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አፍሪቃ ኣብ 2012 ብዙሓት ምርጫታት ክካየዱ'ኳ እንተኾኑ ንመረፅቲ ዝህብዎ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘየለ ተንተንቲ ይአምኑ


ብምዕራባውያን ዝዝወር ምርጫታት ማሕበራዊ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን ይብሉ ተንተንቲ

ከም ኣብ 2011 ዓ.ም ዝነብሮ ኣብ 2012 ዓ.ም 'ውን ኣብ ትሕቲ ሳህራ አፍሪቃ፣ ተመዲቡ ዘሎ ፕራዚደንታዊ ምርጫታት ጋና ሴኔጋል ኬንያ ማሊን ማደጋስካርን ሴራልዮን ምናልባት'ውን ዝምባብዌ ሓዊሱ ብዙሓት ምርጫታት ክካየድ'ዩ። ብነዳዲ ዘይቲ ዝሃፍተመት አንጎላ'ዉን መራሒ ዝተዓወተ ፓርቲ ፕረዚደንት ዝኾነሉ ምርጫ ፓርላማ ንምክያድ ትሰርሕ'ላ።

ብዙሓት አማራፂታትን ፓርታትን ሃልዮም ክትመርፅ ምኽአል ንባዕሉ ፅቡቅ ነገር'ዩ፣ዝበሉ መስራቲ ዲሬክተር'ቲ ኣብ ቤኒን ዝመደብሩ ኢንስቲትዩት ምርምር ፖሎቲካ ኢኮኖሚ ሎናርድ ዋንትቸኮን እንተኾነ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምፅእ አይመርሕን ዘሎ ኢሎም።

እዞም ምርጫታት ንመረፅቲ ብዙሕ ዝህብዎም ረብሓታት ከም ዘየለ'ዮም ተንተንቲ ዝአምኑ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG