ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2015 ግጥማት ፅዋዕ ኣፍሪቃ ሎሚ'ውን ቀፂሉ ውዒሉ!


<font><font>連雲港數以千計市民抗議核廢料處理廠(網絡圖片)</font></font>
<font><font>連雲港數以千計市民抗議核廢料處理廠(網絡圖片)</font></font>

ናይ ሎም-ዘበን ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ኢኻቶርያል ጊኒ ሎሚ ረቡዕ ቀፂሉ’ሎ።ኣታኣናጋዲት ሃገር ኢኻቶርያል ጊኒ ምስ ቡርኪናፋሶ 0 ን 0 ተፈላልያ።

ክልቲኤን ጋንታታት ሸቶ ክኾና ዝኽእላ ዕድላት ረኺበን ነይረን ግን ኣይተጠቀማሉን።ካልኣይ ናይ ሎሚ ግጥም ኣብ ሞንጎ ጋቦንን ኮንጎን ኮይኑ’ሎ።ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ይቕፅል’ሎ።

ነዚ ምድብ’ዚ ጋቦን ብሰለስተ ነጥቢ ትመርሕ’ላ።ኢኻቶርያል ጊኒ ብክልተ ነጥቢ ካልአይቲ።ኮንጎን ቡርኪናፋሶን ሓሓደ ነጥቢ ሒዘን ሳልሳይን ራብዓይን።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፡ትማሊ ምስ ጊኒ ጋንትኡ ኣብ ዝተጋጠመትሉ እዋን ብጎሲጢት ንመወዳድርቱ ዝወቅዖን ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ዝተባረረን ተሰላፋይ ኣይቮሪኮስት ጀርቢኖ ኣብ ክልተ ግጥማት ንከይስለፍ ብኮንፈደረሽን ኩዕሶ ኣፍሪቃ ተቐፂዑ።

እዚ ማለት ጀርቪኖ ኣብ ግጥማት መፃረዪ ንጋንትኡ ኣየሕግዝን ማለት’ዩ። ናብ ግጥማት ኣውዲቅካ ምሕላፍ እንተበፂሓ ጥራሕ’ዩ ጀርቪኖ ንሃገሩ ከገልግል ዝኽእል።ዓብዪ ኪሳራ ንጋንታ ኣይቮሪኮስት።

XS
SM
MD
LG