ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2015 ንቑጠባ ኣፍሪቃ ሰናይ ዘበን ክትከውን'ያ ይብሉ ኪኢላታት ቁጠባ


Africa
Africa

ሎም-ዘበን ንቑጠባ ኣፍሪቃ ኣዝያ ኣገዳሲት ዓመት ከምትኸውን ኪኢላታት ቁጠባ መላእ ኣፍሪቃ ይገልፁ።ካብ’ቲ ዝፍለጠሉ ነባር ተራ ናብ ሓደስቲ ዘፈራት ክሰጋገር’ዩ’ውን ይብሉ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ንመዋእላት ምባል ይካኣል ኣቅረብቲ ከም ነዳዲ፡ጋዝ፡ መዓድናትን ሕርሻዊ ፍርያትን ዝኣምሰለ ጥረ ኣቅሓ ተባሂለን’የን ዝፍለጣ።

ፃዕሪታተን ሕውስዋስ ውፅኢት’ዩ ኣምፂኡለን።ከም ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣምሰላ ሃገራት ቁጠበአን ኣብ ዝተፈለላየ ፍርያት ክምስረት ከሎ፡ከም ኣንጎላን ናይጀርያን ዝበላ ሃገራት ድማ ኣብ ነዳዲ’የን ዝምርኮሳ።

እቲ ዝባኣሰ ድማ ዋጋ ነዳዲ መርየት ምዝባጡ’ዩ።ምንቁልቓሉ’ውን ኣይተገትአን።ኣንፈቱ ነተን ነዳዲ ዝሸጣ ሃገራት ዘሻቅል’ዩ።እንተኾነ ይብሉ ኪኢላታት ቁጠባ፡ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እተን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ዝሓፅረን ካልኦት ሃገራት ድምፀን ዝስማዓሉ ዕድል ከረኽባ ይኽእላ’የን።

ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ቁጠባዊ ማእከል’ታ ኣህጉር ኣብ ትባሃል ጆሃንስቨርግ ባንኪታትን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ዕደናን፡ብዛዕባ’ዚ ፀገም’ዚ ንምዝርራብ ተኣኪቦም ነይሮም።ተንታንቲ ማርቲን ደቪስ ከም’ዚ ይብል፡-

እዚ ሓድሽ ኣንፈት’ዚ ይብል ገርዝ ኒውሃም ዝተባሃለ ካልእ ተንታኒ፡ኣብ ኩነተ ምሕደራን ኣብ ማሕበረ-ሰብን’ውን ለውጢ ከስዕብ ይኽእል’ዩ። ቅድሚ ኩሉ፡ዝተፈላለየ መሰረት ዘለዎ ቑጠባ ሃብቲ’ውን ከምኡ የባፅሕ ዕድል ስራሕ’ውን ይፈጥር።

ትሑት ዋጋ ነዳዲ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት’ዚ ክቅፅል’ዩ ገምጋም ኣሎ። እዚ ሃዋሁ’ዚ ብሕልፊ ንሸመቲ ገንዘብ ንክዓቑሩ ፅቡቅ ኣጋጣሚ፡ንቑጠባ ኣፍሪቃ ድማ፡ትሑት ዋጋ ኣቑሑ፡ሓድሽ ኣንፈት ምዕባለ ንክንፅሩ ዕድል ክፈጥረሎም’ዩ።

XS
SM
MD
LG