ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስትራተጂ ምዕባለ ኣብ ኣፍሪቃ ናበይ ገፅ የብል? ዝብል መዘራረቢ ኮይኑ


ስትራተጂ ዋሽንተን ኮንሰንሰስ'ዶ? ልምዓታዊ መንግስቲ? ይሓይሽ ዝብል'ዩ

ልዕሊ ሓምሳ ምንስትራት ፋይናንስ ኣፍሪቃ፣ንናይ‘ታ ኣህጉር ዕቁር ዓቅሚ ንምጉላህ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክራኸቡ‘ዮም።ቅኑዕ ስትራተጂ ምዕባለ ኣየናይ‘ዩ? ዝብል ሕቶ ኣሳሓሓቢ ክኸውን‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ይብል ኣቀባሊና ፒተር ሃይንላይን ዝላኣኸልና ሪፖርት።

ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ክልተ ኪኢላታት ስነ-ቁጠባ፣ኣብ ሕሉፍ ዝተተግበሩ ስትራተጂታት ምዕባለ ሕውስዋስ ገምጋም‘ዩ ረኺቡ ዘሎ ይብሉ።
ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ”ዋሽንግተን ኮንሰንሰስ/ስምምዕነት ዋሽንግተን” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ስትራተጂ ምዕባለ ዝቀንዐ ነቀፌታ ኣሎ።

ስምምዕነት ዋሽንግተን፣ብሓፂሩ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበን ብባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን ዝተማህዘ ዝትግበርን ስትራተጂ ምዕባለ‘ዩ።እቲ ስትራተጂ ንኣገዳሲ ተራ ውልቀ ዘፈርን ናፃ ዕዳጋን ቀዳምነት ይህብ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ዋሽንግተን ኮንሰንሰስ፣ነቲ እታ ኣህጉር ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዘጓነፋ ደውታ ቀንዲ መንቀሊ‘ዩ ኢለን ይነቅፋ።

ኣብ ቁጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ ምክትል ሓላፊ ዝኾኑ ዓብዱላህ ሃምዶክ፣ ኣብ‘ዚ ቀረባ ስሉጥ ምዕባለ ዘመዝግባ ሃገራት፣መንግስቲ መሪሕ ተራ ዝተፃወተለንን ልምዓታዊ መንግስቲ ዘለወንን‘የን ኢሎም።

”ተመክሮ ደቡብ ኮርያ፣ቻይናን ማሌዥያን እንተሪኢና፣ኣብ ኩለን ሃገራት ማእከል‘ቲ ምዕባለ ’ልምዓታዊ መንግስቲ’ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ።ልኡኽቶ ዘለዎ መንግስቲ ኣለወን።እዚ ስትራተጂ‘ዚ፣መንግስቲ፣ሞተር ምዕባለ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ” ኢሎም ሚስተር ሃምዶክ።

ንዕብየት ውልቀ-ዘፈር ዝያዳ ትኹረት ዝህብ ስትራተጂ፣ዕዳጋታት ኣዝዮም ድኹማት ስለዝኾኑ ፈሺሉ‘ዩ‘ውን ኢሎም ሚስተር ሃምዶክ።

ኮምሽነር ጉዳያት ቁጠባ ሕብረት ኣፍሪቃ ማክስዌል ክዋዜልምባ ብወገኖም፣ ዓሚ ዝተካየደ ተመሳሳሊ ኣኼባ፣መንግስቲ ወሳኒ ግደ ክፃወት ኣለዎም ኢሉ ኣፍልጦ ዝሃበ‘ዩ ኢሎም።ውልቀ-ዘፈር ዓብላሊ ተራ ክህልዎ ዝብል ገምጋም ሎሚ‘ውን ዘረዳድእ‘ዩ ይብሉ።

”ምንስቲራት ነቲ ጉዳይ ዓሚ ተዘራሪቦምሉን ተሰማሚዖምሉን‘ዮም። መንግስታት ግደ ክህልዎም‘ለዎ ማለት ግና ንስምምዓት ዋሽንግተን ንረሳዓዮ ማለት ኣይኮነን።ኣብ ገለ መዳያት ተራ መንግስቲ ይሃሉ፣ብተመሳሳሊ ናፃ ዕዳጋ‘ውን ይስራሕ፣መንግስቲ የሳልጥ ዝብል‘ዩ” ባሃላይ’ዮም ንሶም።

ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ምንስትራት ፋይናንስን ቁጠባዊ ምዕባለን ኣፍሪቃ፣ ኣብ‘ቲ ሓድሽ መአከቢ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ዝመፅእ ሰሙን ክቅፅል‘ዩ።

XS
SM
MD
LG