ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ ንመድረኽ ዓለም-ለኸ ቁጠባ ኣብ ኣፍሪቃ ተታኣናግድ ኣላ


ሸውዓተ መራሕቲን ሓደ ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ነበርን ይሳተፉሉ'ለው

ዕቁር ፀጋታት ኣፍሪቃ ናብ ጥቅሚ መእንታን ክውዕሉ፣መንግስታት ንዝኽተልዎ ፖሊሲ ከፍኩሱ ኣብ‘ቲ ኣዲስ ኣበባ ተታኣናግዶ ዘላ ዓለም-ለኸ ቁጠባ መድረኽ ኣፍሪቃ ይሳተፉ ዘለው ውሩያት ሰባት ፀዊዖም።ነቲ ኣኼባ ይከታተል ዘሎ ኣቀባሊና ፒተር ሄይንለይ፣ኣፍሪቃ ንወፃእተኛ ኢንቨስትመንት ሕውስዋስ ስእሊ ሒዛ‘ላ ይብል።

መንግስታት ኣፍሪቃ ንምዕባለ ከተባብዑ ድልየት ኣለዎም እንተኾይኑ፣ ንፖሊሲ ናይ ምውፃእ ስልጣኖም ብጥንቃቀ ክጥቀሙሉ ይግባእ ኢሎም፣ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንኪ ናይጀርያ ዝነበሩ ቻርለስ ሰሉዶ።

”ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ቀዳማይ ስራሕናን ረዚን ሓላፍነትናን፣ፋይናንሳዊ ትካላት ምህናፅ ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ።እዚ ዓብዪ መዘራረቢ ነጥቢ‘ዩ።ከመይ ገይርካ ኢኻ ክትፈጥር ትኽእል? ብዛዕባ ቁፅፅር ጥራሕ ኣይኮነን።ብዛዕባ ምዕባለ ሓደ ነገር ማለት‘ዩ” ኢሎም።

ብትካል ኤርነስት ኤንያ ያንግ ዝተሳለጠ ሓድሽ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ ኢንቨስትመንት ኣብ ኣፍሪቃ ይውስኽ‘ሎ፤ናብ‘ቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረሉ ኩነታት ተመሊሱ‘ዩ፣ምስ ህንድን ቻይናን ክነፃፀር ከሎ ግና ትሑት‘ዩ ይብል።

ይኹን‘ምበር፣እዞም ኢንቨስትመንታት፣ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ንመጠን ምዕባለ ብልዕሊ ሓሙሽተ ሚእታዊ ንክዓቢ ሓጊዙ‘ዩ።

ኣብ ለንደን ንማእከል ትካል ሕጊ ክሊፈርድ ቻንስ ዝሰርሕ፣ካሜሮናዊ ታይተስ ኢጁዌ ግና፣እቶም ዝጥቀሱ ኣሃዛት መጋገዪ ክኾኑ ይኽእሉ‘ዮም ይብል።

ኣብ‘ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ መድረኽ ዓለም-ለኸ ቁጠባ ንሸውዓተ መራሕቲ ሃገራት ከተኣናግድ‘ዩ።መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ሩዋንዳ፣ናይጀርያ፣ ታንዛንያ፣ጋምብያ፣ጋቦንን ኢትዮዽያን ከምኡውን ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ዝነበሩ ኮፊ ኣናንን ቀ/ሚ እንግሊዝ ዝነበሩ ጎርደን ብራውንን ይርከብዎም።

XS
SM
MD
LG