ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ትሕቲ 35 ዓመት ዕድመ ዝርከብ ዝበዝሐ ቁጽሪ መንእሰያት ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክትከውን ከላ፡ሰብ ሞያ ግን እዚ ብዝሒ ቁጽሪ ናቱ ዝኾነ ዕድላትን ብድሆታትን ኣለዎ ይብሉ። ኣብቲ ሎሚ 25 ግንቦት ዝኽበር ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ኣፍሪቃ “ጽምዶ ብዝሒ ህዝቢ ምስ ወፍሪ ኣብ መንእሰያት” ብዝብል ቴማ ይዝከር ኣሎ።

ንዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ግንቦት 25 መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ንመንነትን ሕብረት እታ ኣህጉር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣተኩሩ ክዝኸር ጸኒሑ’ዩ። እዚ መዓልቲ ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ እቲ መዓልቲ እንታይ ማለት ምኳኑ ክገልጽ ዕድል ዝህብ መዓልቲ’ዩ።

መሓመድ ሳልዩ አቦ መንበር ክፍሊ መጽናዕትታት ኣፍሪቃ ኣብ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ’ዩ፡ ብዝሒ ቁጽሪ መንእሰያት ዕድልን ብድሆን ሒዙ’ዩ ዝመጽእ ብምባል ንመዓልቲ ኣፍሪቃ ከምዚ ክብል ይገልጽ።

“ነዚ መዓልቲ እቲ ኣፍሪቃ ብፍታው ኮነ ብዘይፈታዋ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ባሮት፡ ኩናት፡መግዛእቲ ንዓለም ዘበርኸተቶ ጥራይ ዘይኾነ ኣብ መዳይ ንግዲ፡ባህሊን ምዕባለን’ውን ዘለዋ ተሳትፎ ኣፍልጦ ዝወሃበሉ መዓልቲ’ዩ። ብዙሓት ምሁራት፡ልዑል ክእለት ዘለዎምን ምስ ዓለም ርኽብ ዘለዎም መንእሰያት አለውና፡ ግን ኸአ ስራሕ ኮነ ናይ ስራሕ ዕድል የብሎምን። ስለዝኾነ እዚ ብዝሒ ዕቑር ዓቕሚ፡ ጥቕሚን ብድሆን ዝሓዘ’ዩ።”

ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን መንእሰያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ራይሞን ማርዮ ካብ ከተማ ለንደን ብወገኑ ከምዚ ይብል።

“ ኣብ መንጎ ወነንቲ ትካላት ንግዲን ኣውፈርትን እቲ ምሁር አካልን ክፍተት ኣሎ። ሓደሽቲ ምሩቓት ኣብቲ ናይ ስራሕ ዓለም ዘለዎም ቦታ ንምርኣይ ኣብዘይኸአለሉ ደረጃ ክልቲኦም ወገናት ኣይሓብሩን እዮም።”

ማርዮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምፍታሕ ግጭትን ምዝርጋሕ ሰላም ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ዓውዲ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቱ ዝኸታተል ኮይኑ ምስቲ ናይ ሎሚ ዓመት “ጽምዶ ብዝሒ ህዝቢ ምስ ወፍሪ ኣብ መንእሰያት” ዝብል ቴማ መዓልቲ ኣፍሪቃን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣጀንዳ 2063ዓ.ምን ይሰማማዕ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG