ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛምቢያን ኬፕቬርደን ግዳያት ከቢድ ዝናብ ኮይነን! ቱኒስያን ኮንጎን ሓሊፈን!


ኬፕቨርደን ዛምቢያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብርቱዕ ዝናብ ውዒለን
ኬፕቨርደን ዛምቢያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብርቱዕ ዝናብ ውዒለን

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ቀዳምን ሰንበት’ውን ቀፂሉ’ሎ።ናብ ርባዕ ፍፃመ ዝሓለፋ ክልተ ጋንታታት ፈሊጥና ኣለና። ኢኻቶርያል ጊኒ ጋንታኣ ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ስለዝሓለፈት ዕፅፊ ታሕጛስ ኣስዒቡላ’ሎ። ኢኻቶርያል ጊኒ ንጋንታ ጋቦን 2 ን 0 ድሕሪ ምስዓር ካልኣይ ብርኪ ሒዛ ናብ ኣውዲቅካ ምሕላፍ በፂሓ’ላ።ኣብ’ዚ ምድብ’ዚ ኮንጎ ንቡርኪናፋሶ 2 ን 1 ስዒራን ቀዳመይቲ ኮይናን ምስ ኢኻቶርያል ጊኒ ምሕላፋ ተረጋጊፁ’ሎ።ጋቦንን ቡርኪናፋሶን ግና ነናብ ዝመፀአኦ ንክምለሳ ተገዲደን ኣለዋ።

ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ኣብ ዝተካየዱ ግጥማት፡ኮትዲቭዋር ምስ ማሊ፡ ካሜሩንን ጊኒን 1 ን 1 ተፈላልየን።

ሎሚ ሶንይ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ካብ ምድብ ክልተ ኬፕ ቬርዲን ዛምቢያን 0 ን 0 ከምኡውን ኮንጎ-ኪንሻሳን ቱኒስያን 1 - ን 1 ተፈላልየን።ኬፕቨርዴን ዛምቢያን ካብ ውድድር ወፃኢ ኮይነን፡ኮንጎን ቱኒስያን ናብ ኣውዲቅካ ምሕላፍ በፂሔን።

ፅባሕ ደቡብ ኣፍሪቃን ጋናን ከምኡውን ሴኔጋልን ኣልጀርያን ሓያል ንሕንሕ ዝራኣየሉ ግጥማት ይፅበየና ኣሎ።ኣብ’ዚ ምድብ’ዚ’ውን ዝተዓወተት ጋንታ ናይ ምሕላፍ፡ዝተሳዓረት ጋንታ ድማ ናይ ምውዳቕ ዕድል ሒዘን’የን ናብ ሜዳ ዝኣትዋ።

ድሕሪ ፅባሕ ካሜሩን ኣይቮሪኮስትን ጊኒን ማሊን ክራኸባ ብኡ’ውን ናይ ሎሚ’ዘበን ግጥማት መፃረዪ ተዛዚሙ ግጥማት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ክቅፅል’ዩ።

XS
SM
MD
LG