ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጊ ሸሪዓ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ክሳዕ ክንደይ ክተኣታተው ኣለዎ?


ጉዳይ ሶማልያ ከምኣብነት ክላዓል ይኽእል

ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ምቋም ብዙሕ ተገዳስነት ኣብ ዘይራኣየሉን ብዓሌታዊ መስመር ኣብ ዝተመቃቀለትን ሃገር፣መስርሕ ሕገ-መንግስቲ ቀሊል ኣይኮነን።ከምዚ ዝኣምሰለ ፀገም ኣሎ እንተኾይኑ፣እቲ እንኮ ፍታሕ፣ኣብ ሞንጎ ሲቪላዊ፣ባህላውን ሸሪዓዊን ሕጊታት ንዘሎ ኣፈላላይ ንምፅባብ ምፍታን‘ዩ።

ንኩነታት ሶማልያ ኣማእኪሉ ሪኢቶ ዝሃበ ዶ/ር ፒተር ሃም ”ሸሪዓ‘ዩ መሰረት ሕጊ‘ታ ሃገር ኢልካ ምዝራብ ይካኣል‘ዩ።ግን ከም‘ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝትግበር፣ኣብ ሶማልያ‘ውን ሙሉእ ንሙሉእ ሸሪዓ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ክተኣታተው ኣለዎ እንተይልና፣ንቅልውላው ትዕድም ኣለኻ ማለት‘ዩ” ይብል።

እቲ ክቀርብ ዝኽእል ሕቶ ግና፣ሸሪዓ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሶማልያ ክሳዕ ክንደይ ክተኣታተው ኣለዎ? ዝብል‘ዩ።

XS
SM
MD
LG