ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኣፍሪቃ ነበር እናኾነ ይመፅእ ኣሎ


መስርሕ ዴሞክራሲ ግና ኣይጠንከረን ዘሎ

ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት መቅድም‘ዩ ዝብሉ ሰባት ነይሮም‘ዮም።ካልኦት ድማ ዕልዋታት ኣብ ክንዲ ረብሓኦም ጉድኣቶም‘ዩ ዝዓዝዝ ይብሉ።

ኣብ ቴስዓታት፣መሸምበባ ዴሞክራሲ ንኣፍሪቃ ዝሸፈነሉ ዘመን ነይሩ። ኣብ ገለ ሃገራት ስርዓት ፓርቲታት ዝተኣታተወሉ፣ናፃን ርትዓውን ምርጫ ብህጎ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተተግበረሉ ዘበን‘ውን‘ዩ።ካብኡ ሓሊፉ፣ሰባት ብዛዕባ ሓደስቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምዝራብ ዝጀመሩሉ ነይሩ።

ሎሚ’ኸ? ንነብሶም ንሕልፈት መራሕቲ ኢና ኢሎም ዝሾሙ ነባራት ፕረዚደንታት ዳርጋ ዝጠፍኡሉ ዘመን በፂሕና‘ለና።ኣብ ስሳታት፣ሰብዓታትን ሰማንያታትን መን ከማና ይብሉ ዝነበሩ መለኽቲ፣ሎሚ ዳርጋ ዘየለው‘ዮም። ጠንካራ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ግና ገና ኣብ መስርሕ‘ዩ ዘሎ።

ፖለቲካዊ ተመራማሪን ኪኢላ ርክባት ሰራዊትን ሲቪልን ዝኾነ ኣቡበከር እንዳየ፣ኣፍሪቃውያን ንመስርሕ ዴሞክራሲ ዘገምተኛን፣ጣጥኡ ዝበዝሖን‘ዩ ኢሎም‘ዮም ዝገልፅዎ ይብል።

ኣንድሪው ሚለር፣ኣብ‘ቲ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ማእከል ምርምርን መፅናዕትን ቤት ምኽሪ ዝምድናታት ወፃኢ ዝሰርሕ‘ዩ፣ክዛረብ ከሎ፣ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣስታት ሰብዓ ዓመታት፣ኣብ ኣፍሪቃ 363 ውዲት፣ፈተነን ዕውት ዕልዋታት ተካይዶም ይብል።ኣብ ሓቀኛ ዴሞክራሲ ዝነበራ ሓንቲ ሃገር ዕልዋ ክፍፀም ከሎ፣ማዕሪኡ ሓሙሽተ ካልኦት ሃገራት ናብ ዝኸፍአ ምልካዊ ስርዓታት ተደፊኤን ዝብል መደምደምታ‘ውን በፂሑ‘ዩ ንሱ።ሓደ ዕልዋ ንካልኦት ዕልዋታት‘ዩ ክርዳድ ዘርኢ ዝኸውን‘ውን ኢሉ።

መፃኢ ጊዜ እንታይ ኮን ሒዙ ይመፅእ? ወትሃደራዊ ስርዓታት፣ካብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓታት ዝምረፁ ደኾን ይኹኑ?ንኣብነት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ምልካዊ ስርዓታት ይምለሱ ደኾን? ብደረጃ ገምጋም እንተኾይኑ፣ኣይምለሳን ይብሉ ተንተንቲ።

XS
SM
MD
LG