ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪካዊያን ረቂቕ ስትራተጂ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክሕንፅፁ እዮም ተባሂሉ


ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ኣፍሪካ
ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ኣፍሪካ
ኣብ ኩነታት ለውጢ ኣየር ዓለምለኻዊ መርድዳእ ዛጊድ የለን።ሃገራት ኣፍሪካ ግን ሓደ ስትራተጂ ንምውፃእ ተቐረበን ኣለዋ።ናይ ዓለም ዋዒ እናወሰኸ ካብ ዝይኸድ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ኣፍሪካ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ኣየር የጋጥማ’ሎ።

ዶክተር ጆሴፍ ሙካባና ኣብ ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ዳይረክተር ኣፍሪካን ዘይማዕበላ ሃገራትን እዮም።ንሶም እታ ኣህጉር ኣብ ቅድመ ግንባር ለውጢ ኩነታት ኣየር እያ ዘላ ይብሉ።እታ ኣህጉር ኣብ ሜትሮሎጂ ዝተዋደደ ኣፍሪካዊ ስትራተጂ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ረቂቕ ስትራተጂ ከምዘውፅአት ይሕብሩ።

ብለውጢ ኩነታት ኣየር እታ ኣዚያ ንሓደጋ ዝተቓልዐት ኣህጉር ኣፍሪካ ምዃና ምስገለፁ ብምስዓብ ’’ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምዕባለ ካብዘለዋ 48 ሃገራት ዓለም እተን 33 ኣብ ኣፍሪካ ይርከባ’’ኢሎም።ስለዝኾነ ድማ ምስ ኩነታት ለውጢ ኣየር ምትዕርራይ ምግባር ቀዳምነት ኣፍሪካ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ከባቢታት ፖላር በረድ እናመኸኸ ብራኸ ባሕሪ እናዓበየ ኣናሽቱ ደሴታት እናተውሓጣን ኣብ ወሰናት ማይ ድማ ሓደጋ ይስዕብ ከምዘሎን ወሲኾም ይገልፁ ዶ/ር ጆሴፍ።ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ 25ን 50ን ዓመታት ኣብ ትሑት ብራኸ ዝርከቡ ወሰናት ማይ ብማይ ክውሓጡ ይኽእሉ እዮም ይብሉ ብምውሳኽ።

ምውሳኽ ብራኸ ባሕርታት ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝተኣሳሰረ ሽግር ብምስዓብ ሕፅረት ዝናብ ብኡ ኣቢሉ ድማ ምግቢ ክጠፍእን ዓፀቦ ክኽሰትን እናገበረ እዩ ኢሎም ዶ/ር ጆሴፍ።ዝርዝሩ የድምፁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG