ዋሽንግተን —
ብምትሕባብር መንግስቲ ኬንያን ሕብረት ኣፍሪቃን ሎሚ ሰኑይ 4 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝጀመረ ዋዕላ ክሊማ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ “እቲ ዋዕላ ኣፍሪቃውያን ዓቢ ወፍሪ ዝስሕቡሉ ዕድል’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።
እቲ ዋዕላ ከም መተካእታ ናይ ዘፍርየኦ ውሑድ መጠን ካርቦን፡ ድኻታት ሃገራት ናብ ሓምላይ ልምዓት ዝቕይራሉ ወፍሪ ንምትብባዕ’ዩ።
ኣብቲ ናይ ዋዕላ ንምስታፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኬንያ ከም ዝኣተወ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።
ኣብቲ ሎሚ ዝተኸፍተ ዋዕላ ዝተረኽበ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ክሊማ ጆን ኬሪ፡ “ሃገራት ንብከላ ኣየር ብዝበርትዐ ዝቃለሳሉ ኣዝዩ ወሳኒ መድረኽ ኢና ዘሎና፡” ኢሉ።
ሓያሎ ተሓለቕቲ ክሊማ ግን እቲ ዋዕላ፡ “ብዋጋ ኣፍሪቃ፡ ኣጀንዳ ምዕራብን ምዕቡላት ሃገራት ዘቕድም’ዩ፡” ክብሉ ክነቕፉን ክቃወሙን ጸኒሖም ኣለዉ።
ቅጥዒ