ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዝካየድ ዓለምለኸ ጉባኤ ኩነታት ኣየር ንኣፍሪካ ወኪሎም ዝደራደሩ ቀዳማይ ምንስቴር መልሰ ዜናዊ ቀንዲ ዕላምኦም ኪዮቶ ፕሮቶኮል ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ ውዕል መንፈስ ንምድሓን ምዃኑ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪካ ኣብዝካየድ ጉባኤ ኩነታት ኣየር ናይ ኣፍሪካዊ ወግዓዊ መርገፂ ውዕል ኪዮቶ ፕሮርቶኮል መቐልታ ንኽህልዎ ምግባር እዩ ኢሎም።እቲ ዓልማዊ ዋዒ ንምምካት ዓሊሙ ዝተፈፀመ ስምምዕ ኣብ ዝቕፅል ዓመት እዩ ከብቕዕ።
ናይ ኣፍሪካ ዓሰርተ ልኡኻት ኣባል ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ መሰረታዊ ውዕል ኪዮቶ ንምድሓን ዘይክኣል ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።ከም ናይቲ ልኡኽ መራሒ ኣቶ መለስ ከምዝበልዎ እንተወሓደ ካብ ዘጋጥም ሓያል ተቓውሞ ንምድሓን ኣፍሪካ ምስ ኩነታት ዝተዓፃፀፍ ናይ ድርድር መርገፂ ክትሕንፅፅ ኣለዋ ኢሎም።
ኣቶ መልስ ከምዚ ይብሉ።’’እንተወሓደ መንፈስ ስምምዕ ኪዮቶ ፕሮቶኮል ንምድሓን ምስ ኩሎም ተዋሳእቲ እቲ ውዕል ንምድርዳር ቅሩባት ኢና።ንሱ እዩ ዕላማና።እዚ ዕላማ ንምዕዋት ግን ኣብ ደርባን ምስ ኩሎም ተውሳእቲ ብምትዕፅፃፍ ክንደራደር ኢና።’’
ኣብ 1997 ኣ/ፈ ዝተፈፀመ ስምምዕ ኪዮቶ ፕሮቶኮል ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰረተ ሓሙሽተ ዓመታት ፖለቲካውን ሳይንሳውን ኩነታት ስለዝቐያየሩ ማዕልቱ ዝሓለፎ እዩ ተባሂሉ ይእመን።
ዩናይትድ ስቴትስ እቲ ፈላማይ ውዕል ኣየፅደቐቶን።ካናዳ፡ጃፓንን ሩስያን ሓዊሱ ካልኦት ሓያል ሃገራት እውን ንኻልኣይ እዋን ከምዘይሰማምዓሉ ገሊፀን ኣለዋ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ኩነታት ኢሎም ኣቶ መለስ ዜናዊ እቲ ናይ ትማሊ ሰሉስ ናይ ስትራተጂ ኮንፈረንስ እዋኑ እቶም ዝሓለፉ ጉባኤታት ኩነታት ኣየር ናብ ውድቀት ዘምርሕ ደረቕ መርገፂ እትሕዘሉ እዋን ኣይኮነን ይብሉ።
እቶም መራሒ ኢትዮጵያ ድኻ ሃገራት ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምምካት ንክኽእላ ዝሕግዝ ገንዘብ ንኽውፈ ቅድም ክብል ዝተብፅሐ ስምምዕ ግብራዊ ንኽወን ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።እቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክሳብ 2020 ኣ/ፈ ናብ ሓደ ሚእቲ ቢሊዮን ዶላር ዝበፅሕ ገንዘብ ንምሕጋዝ ነይሩ።በቲ ሕዚ ዘሎ ቁጠባዊ ኩነታት ግን ዛጊድ ዝተውሃበ ገንዘብ የለን።ዳግም ድርድር ንኽግበረሉ እውን ሓሳባት ክቐርቡ ፀኒሖም እዮም።