ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪካ ንዝነብሩ ሓደ ቢሊዮን ህዝቢ ፅሩይ ማይ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ


መብዛሕቲኦም ኣብ ኣፍሪካ ንዝነብሩ ንከባቢ ሓደ ቢሊዮን ህዝቢ ዓለም ፅሩይ ማይ ንምቕራብ ብኩባኒያታት ዩናይትድ ስቴትስን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝምራሕ ናይ መን እቕረበ ውድድር እናተኻየደ ይርከብ።

ዋንነቱ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ረድኤት ጉጅለ ማይ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ኩባንያትታ ሙዚቃዊ ድራማ ባኪያ ሰባት ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዑ ጫካታት ደቡብ ምዕራብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ እናጎየዩ ይርአዩ።

ትካል ማይ /ዋተር ኦርግ/ ናይ ዝተብሃለ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ዘይመንግስታዊ ገባሪ ሰናይ ካብዝመስረቱ ሓደ ናይ ሆሊውድ ከያኒ /ኣክተር/ ማት ዳመን ፅሩይ ማይ ኣብ ናይ ምቕራብ ፕሮግራም ኣብ ኢትዮጵያ፡ጋና፡ኬንያን ኡጋንዳን ይንቀሳቐስ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ዝርከብ መደብር ዕዳጋ ወይ’ውን ሱፐር ማርኬት እንትንምለስ ወኪል መሸጣ ኩባንያ ማይ ዩናይትድ ስቴትስ ብዛዕባ ብቐሊሉ ክትሽከሞ እትኽእልን ክሎሪንን ካልኦት ዘየድልዩ ንጥረ ነገራትን ካብ ናይ ባንባ ማይ ዘወግድ ሜላ ክፋልጥ ይርአ።

ካብ ናይ 30 ዶላር ጠርሙዝ ማይ ሓደ ዶላር ኣብ ርሑቕ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሩን ናብ ዝርከብ ፕሮጀክት ማይ ጉንዶም ይኸይድ።

ነበርቲ እቲ ገጠር ገለ ነፃ ግዚኦም ማይ ኣብ ምምልላስን ኣብ ስራሕቲ ቕርፃ ቕርፅን ብምውፋር እቲ ዘፍረይዎ ኣብ ጥቕኦም ናብ ዝርከብ ከተማ ብምኻድ ይሸጥዎ።ደቆም እውን ናብ ቤት ትምህርቲ ንክኸዱ እኹል ግዜ ኣለዎም።

ፓረክ ማይ ወለድ ሕማማት እናነከየ ከምዝኾነ ይዛረብ።ነበርቲ ጉንዶም ዩኒቨርስቲ ፔንስለቨንያ ንዝነበረ ፓረክ ኣብ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ዶብ ኣልቦ ምህንድስና ምስ ዝተብሃለ ጉጅለ ቅድሚ ዓመታት ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዘራሪቦምዎ ነይሮም።

ኣብ ናይ ማይ ናይ ነዊሕ ግዜ ጠመተ እንትርአ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ከተማ ዘሎ ባንባ ማይ ኣብ ሜላ ምፅራይ ከተኩራ ከምዘለወን ፓርክ ይዛረብ።

እዚ’ውን ዝካየድ ዘሎ ካሊእ ዓውዲ ውድድር እዩ። ዘይስተ ማይ ናብ ዝስተ ማይ ንምቕያር ዝተፈላለዩ ናይ ፈጠራ ፈተነታት ዘጠቓለለ እዩ።

ዩጂን ክሎቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብዝርከብ ዩኒቨርስቲ ስተለንቦሽ እንስቲቱት ማይ ካብዞም ፃዕርታት ሓደ እናማዕበለ ይርከብ።

ላይፍስትሮ ዝተብሃለ ናይ ዴንማርክ ፍሪያት ብተመሳሳሊ ንዝበዝሕ ባክተሪያ የወግድ።ንኹሎም ግን ኣየወግድን።ገለ ነቐፍቲ ኣብ ምፅራይ ዝተመስረተ ፍታሕ ድኻታት ሰባት ዘይኽእልዎ ኣዝዩ ክባር ኣገባብ እዩ ይብሉ።

ኪኢላታት ልምዓት ብወገኖም እቶም ይጥቀሱ ዘለው ኣገባባት ናይ ማይ ሽግር ከም ዘይፈትሑ ይገልፁ።

ፅሩይ ማይ ንምብፃሕ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ረብሓ ዘለዎ ውድድር ከም ዝኾነን ሓደስቲ ሓሳባት ይምንጭዉ ከምዘለውን እቶም ክኢላታት ልምዓት ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG