ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምህርቲ ተኽሊ ካሳቫ ኣብ ብምራቕን ማእኸላይ ኣፍሪካ የንቆልቁል ኣሎ ተባሂሉ


ኣብ ኣፍሪካ ንናይ ተኽሊ ካሳቫ ዘሎ ድልየት ካብ ዓመት ንዓመት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።ኣፍሪካ 60 ሚእታዊ ናይ ዓለምና ምህርቲ ካሳቫ ተምርት።እንተኾነ ብምኽንያት ሕማማት ምህርቲ ካሳቫ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ማእኸላይ ኣፍሪካን ኣዝዩ እናቆልቆለ ይርከብ። ልዕሊ 160 ሚሊዮን ህዝቢ ምብራቕ፣ማእኸላይን ደቡባውን ኣፍሪካ ንምግብነትን ምንጪ እቶትን ኣብ ካሳቫ ዝተመስረተ እዩ።

እንተኾነ ብምኽንያት ‘’ሞዛይክ’’ን ‘’ክሳቫ ብራውን ስትሪክ’’ን ዝተብሃሉ ክልተ ዓይነት ሕማማት ምህርቲ ካሳቫ ኣዝዩ እናነከየ እዩ።

ብመሰረት ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት መንግስታት (FAO) ብፍላይ ‘’ብራውን ስትሪክ’’ ዝተብሃለ ዓይነት ሕማም ንሱር እቲ ተኽሊ ስለዘጥቅዕ እቲ ዝኸፍአ እዩ።እዞም ክልተ ሕማማት ኣብ ናይ ኣፍሪካ ናይ ሕርሻ መሬት ዕንወት እናብፅሑ እዮም።

ኣብ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ግዚያዊ ሓላፊ FAO ሉካ ኣሊኖቪ ትካሎም ኩነታት ንምምሕያሽ ኣብ ናይ ኣፍሪካ ናይ ሕርሻ መሬት ብዙሕ ኢንቨስት ከምዝገበሩ ነገር ግን ብዙሕ ውፅኢት ከምዘየምፅአ ይገልፁ።’’ኣብ ካሳቫ ዝስራሕ ፅቡቕን ሕማቕን ነገር ኣብ ውሕስነት ምግቢ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዓብዪ ፅልዋ ኣለዎ።’’ ኢሎም።

ኣብ ኬኒያ ሓላፊ ፕሮግራም ልምዓት ገጠርን ሕርሻን ሕብረት ኣውሮፓ ዶምኒክ ዳቮክስ ንተኽሊ ካሳቫ ዘጥቕዑ ሕማማት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ስለዝኸደ ንቶም ሕማማት ንምውጋእ ኣብ ምርምር ገንዘብ ክንምውል ኣለና ይብሉ። ነቲ ሕማም ንምምካት፣ንኽትትልን ምርምርን እንትወሓደ 100 ሚልዮን ዶላር የድሊ ይብል FAO ።

ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተገይሩ እቲ ሕማም ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየት ኣፍራይት ክሳቫ ናብ ዝኾነ ናብ ናይጀሪያ ክስፋሕፋሕ ይኽእል እዩ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።
XS
SM
MD
LG