ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣይቮሪኮስትን ጊኒን፡ካሜሩንን ማሊን ማዕረ 1 ን 1 ተፈላልየን!


ፅዋዕ ኣፍሪቃ
ፅዋዕ ኣፍሪቃ

ፅዋዕ ኣፍሪቃ 2015 ሎሚ’ውን ቀፂሉ ውዕሉ።ቀዲመን ዝተራኸባ ጋንታታት ኣይቮሪኮስትን ጊኒ’የ።ውፅኢት ማዕረ 1 ን 1።

ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ማላቡ ዘካየደኦ ግጥም ከም’ቲ ትፅቢት ዝተገብረሉ ኣይነበረን።እኻዳኣስ ጋንታ ጊኒ ዝበለፀትን ዝሓሸ ንምዕዋት ፈተነታት ዝገበረትሉ ነይሩ።ቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት’ውን ጊኒ’ያ።

ጋንታ ኣይቮሪኮስት 1 ን 0 እናተመርሐት ከላ ቁፅሪ 10 ተሰላፊኣን ንጋንታ ሮማ ጣልያን ዝስለፍን ኮኸብ ተፃዋቲኣ ጀርሚኖ ንተፃዋታይ ጋንታ ጊኒ ኣብ ቅድሚ ሞንጎኛ ስለዝወቅዖ ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ተባሪሩ።

እንተኾነ እታ ጋንታ ተጠናኺራ ነቲ ፀወታ ቀፂላትሉ።ክልተ ተፃወቲ’ውን ቀይራ።ለውጢ’ውን ኣመዝጊባ።ማዕረ ትገብራ ሸቶ ኣቁፂራ።

ያያ ቱረን ሳሙኤል ካሉን ስለዝደኸሙ ብዙሕ ንጋንተኦም ከይሓገዝዋ ተቀይሮም’ዮም።

ናይ ሎሚ ካልኣይ ፀወታ ኣብ ሞንጎ ማሊን ካሜሩንን’ዩ።ቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ማሊ ነይራ።ዳርጋ ኣብ ኣጋ መወዳእታ’ቲ ግጥም ካሜሩን ማዕረ ይዝገበረታ ሸቶ ኣመዝጊባ።ካሜሩን 1 ማሊ 1። ካሜሩን ኣብ ግጥማት ዓለም ካብዘጋጠማ ሕስረትን ስዕረትን ተናጊፋ ዕሩይ ፀወታ ክተርእይ እያ ኢሎም ነይሮም ተንተንቲ ስፖርት።ግን ኣይኮነን።ኣብ ቀፀልቲ ግጥማት ንርኢ።

ፅባሕ ረቡዕ ኢኻቶርያል ጊኒን ቡርኪናፋሶን፡ጋቦንን ኮንጎን ካብ ቀዳማይ ምድብ ካልኣይ ፀወታ ከካይዳ’የን።

XS
SM
MD
LG