ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣ ኣብ ዝፀወዖ ኣኼባ ምትእኽኻብ ገንዘብ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሊ 3 ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ተረኺቡ


ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘጓነፈ ሓደጋ ደርቂ ንዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ኣብ ዝፀወዖ ኣህጉራዊ መድረኽ ልዕሊ 3 ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።ደርቂን ሳዕቤኑን ኣብ ሶማልያ ዝሓየለ፣ብጠንቂ ጭካኔ ኣል-ሸባብ‘ዩ‘ውን ተባሂሉ።

ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዣን ፒንግ ከምዝገለፅዎ፣እቲ ዓለም-ለኸ መድረኽ ምትእኽኻብ ገንዘብ ክዳሎ ከሎ፣ክርከብ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝተገብረሉ መጠን ገንዘብ ትሑት‘ዩ ነይሩ።እንተኾነ ዳሓር ዝተኣከበ ገንዘብ ልዕሊ ትፅቢትን፣ተሳተፍቲ‘ቲ ኣኼባ ነቲ ጉዳይ ኣርዚኖም ከምዝሓዝዎ ዝሕብር‘ዩ ኢሎም።

”ኣብ‘ዚ ኣኼባ ካብ ንሳተፍ ካብ ዘለና ዝተኣተወ መፅባዓ፣ነዚ ኣኼባ‘ዚ ንምፅዋዕ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ቅኑዕ ምኻኑ ዘረጋግፅ‘ዩ።ስለዚኾነ፣ኣቀዲመ ከምዝጠቀስክዎ፣ኣብ‘ዚ እዋን ዝተኣከበ መጠን ገንዘብ ክገልፅ ከለኹ ሓበን ይስመዓኒ።ብገንዘብ 351 ሚልዮንን 706 ሽሕን ዶላር፣ብካልእ መልክዕ ድማ 28 ሚልዮንን 880 ሽሕ ዶላር‘ዩ” ይብሉ ዣን ፒንግ።

ናይ‘ዚ ዓመት‘ዚ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ መራሒ ኢኳቶርያል ጊኒ ትዮዶር ኦብያንግ ብወገኖም፣ኣብ እዋን መኽፈቲ‘ቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸሰተ ደርቅን ቅልውላውን፣ብህዝቢ ዓለም ዝያዳ ንክፍለጥ እቲ ጉባኤ ክሰርሕ‘ዩ፣ንዝቀረበሎም ፃውዒት ኣኽቢሮም ናብ‘ቲ ኣዳራሽ ንዝመፁ ድማ ኣመስጊኖም።

Theodore O. “እዚ ኣኼባ ምትእኽኻብ ገንዘብ፣ፀገም ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምልላይ ዕድል ክፈጥረልና‘ዩ።ኣብ‘ዚ ኣኼባ ዝተሳተፉን ንፃውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ መልሲ ዝሃቡን ወገናት ኣመስግን” ኢሎም።

ኣብ መኽፈቲ‘ቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ሃገሮም‘ውን ግዳይ ደርቂ ኮይና ከምዘላ ብምጥቃስ፣ጥቅዓት ደርቂ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ከምዘይኮነ ኣረጋጊፆም።እቲ ደርቂ ኣብ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ‘ሎ፣
ግን ዘስዓቦ ፀገም ከከምሃገሩ ዝፈላለ’ዩ፣ፀገም ኣል-ሸባብ ዝተጋደደ ግና ብጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ኣል-ሸባብ‘ዩ ይብሉ።

ኣቶ መለስ ወሲኾም ”ኣብ ዝሰፍሐ ክፍሊ‘ታ ሃገር ኣልቦ-ሰላምን ምርግጋእን ምኻኑ፣ከምኡውን መንግስታዊን ካልኦት መሓውራት ዘይምህላዎም ተደሚሩ፣ደርቂ ንዘስዓቦ ፀገም ውፅኢታዊ መልሰ-ግብሪ ንምሃብ ኣፀጋሚ ገይርዎ‘ሎ።ፈጣሪ ራዕዲ ኣል-ሸባብ በቲ ጨካን ኣረኣእይኡ፣ ንህይወት ሶማልያውያን ግዲ ስለዘይብሉን ብጠንቂ ኽፍኣቱን፣በጃኹም ኣርክቡልና ንዝብል ደወል ምሕፅንታ ስለዘምከኖ፣ሰባት ረድኤት እንተረኸብና ኢሎም ንሰሙናት ንክጓዓዙ፣ወይ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንሞት ክፅበዩ ኣገዲድዎም‘ዮ” ኢሎም።

ኣብ‘ቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘዳለዎ መድረኽ ምትእኽኻብ ገንዘብ፣ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተላኣኹ ወከልቲ ተሳቲፎም‘ዮም ይብል መለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG