ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረብ ዓለም ንኣፍጋኒስታናዊን ክርስዖም የብሉን ኢሉ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት


An Imam speaks next to an armed Taliban fighter during Friday prayers at the Abdul Rahman Mosque in Kabul, following the Taliban's stunning takeover of Afghanistan.

ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታት ንኣብ ቕልጡፍ ለውጥን ተኣፋፊ ኩነታትን ዝርከቡ ሚሊዮናት ኣፍጋኒስታዊያ ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋን ስለዘድልዮም ማሕበረሰብ ዓለም ክርስዖም የብሉን ኢሉ።

እቲ ግጭት ንልዕሊ 500,000 ኣፍጋኒስታናዊያን ሰማኒያ ምእታዊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ኣገዲዱዎም ኣሎ።

እዞም ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ቅድሚ ክብል ብዝነበረ ቅልውላው ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ 2.9 ሚሊዮን ኣፍጋኒስታናዊያን ተወሰኽቲ እዮም።

ብኻሊእ ዜና ድማ ሓይልታት ዩናይትድ ስቴትስ ትማሊ ሓሙስ ካቡል ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ሓሚድ ኻርዛይ ኣስታት 3,000 ሰባት ኣውፂኦም ብመሰረት መግለፂ ዋይት ሃውስ።

እቲ ምውፃእ ሰባት ግዙፍ ሲ 17 ነፋሪት ብምጥቃም 16 ግዜ ብምብራር ተፈፂሙ ኣሎ።እቶም ዝወፁ 350 ኣሜሪካዊያን ዜጋታትን ስድርኦምን፣ ሓዊሱ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣፍጋኒስታዊያንን ፍሉይ ናይ ኢሚግሬሽን ቪዛ ዘመልክቱን ስድርኦምን እዮም።

ዋይት ሃውስ ሓይልታት ኣሜሪካ ካብ 14 ነሓሰ 2021 ኣ\ፈ ጀሚሩ ድሮ ኣስታት 9,000 ሰባት ከምዝወፁ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ድማ 14,000 ሰባት ከምዘውፅኡ ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG