ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍጋኒስታን ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ መሬት የጋጥም


ኣብ ምዕራባዊ ኣፍጋኒስታን ከባቢያዊ ምምሕዳር ሀራት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ መዓልታት6.3 ዝበፅሕ ሸውዓተ ጊዜ ምንቅጥቃጥ መሬት ምግጣሙ ኣብ ዓሰርተታት ዓድታት ጉድ ኣት ምብጽሑን መብዛሕቲኣን እዘን ዓድታት ምሉእ ብምሉእ ዓንየን፡ ኣስታት 1400 ሰባት ድማ ሞይቶም ካል ኦት ልዕሊ 1,800 ድማ ቆሲሎም።

ዳሕረዎት ክልተ ምንቅጥቃጥ መሬት 6.3ን 5.3ን ሬክተር ዝዓቐኑ ከምዝነበረን ኣቐዲሙ'ውን ተመሳሳሊ መጠን ዘለዎም ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ 25,000 ንዝግመቱ ኣባይቲ ምዕናው ይፍለጥ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንግዳያት ሓገዝ ይህብ ከምዘሎ ይግለጽ።ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ፀገም ንዝነበሩ ኣፍጋኒስታዊያን ሓዊሱ ሓገዝ ንዘድልዮም 7- ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ 400 ሚሊዮን ዶላር ሓቲቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG