ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍጋኒስታን 6.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ


ምንቅጥቃጥ መሬት ኣፍጋኒስታን- ፋይል
ምንቅጥቃጥ መሬት ኣፍጋኒስታን- ፋይል

ኣብ ኣፍጋኒስታን ሎሚ ረቡዕ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ። ኣብቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ኣብ ከባቢ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ምሟቶም ይፍለጥ።

ናይ ኣመሪካ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ማእከል ሎሚ ረቡዕ 11 ጥቅምቲ 6.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመሉ ካብ ከተማ ሓራት 28 ኪሎ ሜትር ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ እዩ።

በቲ ሓድሽ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝጠፍአ ህይወት እንተሃሊዩ ኣይተገለፀን።

በቲ ቀዳማይ ምንቅጥቃጥ መሬት እዚ ሰሙን ኣባይቶም ዝዓነዎም ብዙሓት ሰባት ኣብ ደገ ይድቅሱ ብምንባሮም ኣብዚ ካልኣይ ምንቅጥቃጥ ብዙሕ ጉድኣት ኣብ ህይወት ሰብ ከምዘየጋጠመ ይገልጽ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG