ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰላት ኣፍጋኒስታናዊያን ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ገዲዱዎ ከምዝቐፀለ ይግለፅ


ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምቁፅፃሩ ንቅልውላው ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ጥፍኣትን እታ ሃገር ከምዘቀላጠፎ ሓደ ሓዱሽ ፀብፃብ ተሓላቒ መሰላት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣጠንቂቑ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ነታ ብሰንኪ ግጭት ኣብ ዱርኩዅት ድኽነት እትርከብ ሃገር ምዝተቖፃፀረ ሰጕሞም ዝነበሩ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ነፃነት ሚዲያን ንድሕሪት ከምዝመለሰ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት Human Rights Watch ዓለምለኸ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ ዓመታዊ ገምጋሙ ገሊፁ።

‘’ኣፍጋናዊያን ብናይ ጣሊባን ዓፈናን ዘፍርሕ ጥምየትን ተቐርቂዖም ይርከቡ’’ኢላ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝመደብሩ ተሓላቒ መሰላት ናይ ኢሲያ ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ፓትሪሺያ ጎስማን።

‘’ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብቶም ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ዝተሳተፉ መንግስታት ሰብኣዊ ረድኤትን ንጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ንመሰረታዊ ኣገልግሎትን ዝውዕል ገንዘብ ክሕግዙ ጣሊባን ይፍፅሞ ዘሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሎ ኣብ ልዕሊኡ ድፍኢት ክገብሩን ኣለዎም’'ኢላ ብምውሳኽ።

ሰብኣዊ መሰላት ከምዘኽብር መረጋገፂ ሂቡ እንተነበረ እውን ናይ ጣሊባን ናይ ስግግር እዋን መንግስቲ ንናይ ደቂ ኣንስትዮ መሰላት ዝድርቱ ፖሊስታትን ሕግታትን ኣውፂኡ።

ኣፍጋናዊያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ መምህርነትን ሓለዋ ጥዕናን ወፃኢ ከይሰርሓ ተኸልኪለን ኣለዋ።ኣዋልድ ዝምሃራሎም ብዙሓት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተዓፅዮም ይርከቡ።

ደቂ ኣንስትዮ ምስአን ሓላዊ ወዲ ከይሓዛ ክጉዓዛ ከምዘይብለን ብሃይማኖታዊ ፖሊስ ጣሊባን ተዛሪቡወን ኣሎ።

ሰበስልጣን ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ተቓወምትን መራኸቢ ብዙሃንን ሰፊሕ እገዳታት ኣንቢሩ፣ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ይወርድ ብዘሎ መጥቓዕቲ 70 ምእታዊ ዝፅጋዕ ናይ ኣፍጋኒስታን ቴሌቪዥንን ካልኦት ናይ ዜና ማዕኸናትን ክዕፀው ኣገዲዱ ኣሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ናይ ሚዲያ ነፃነትን ዝተረኸቡ ገስጋሳት ቀንዲ ፍፃመታት ነይሮም።

ጣሊባን ካብ ስልጣኑ ንዝተባረረ መንግስቲ የግልግሉ ንዝነበሩ ምሕረት ምሃቡ እንተኣወጀ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ዝከታተሉ ዓለምለኸ ትካላት ግን ሓይልታት ጣሊባን ናይ ኣፍጋኒስታን መንግስቲ ነበር ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ብዘይፍርዲ ቀቲሎም ክብሉ ኸሲሶም።

ሓላፊ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላ ሙጃሂድ ንናይ Human Rights Watch ፀብፃብ መሰረት ኣልቦ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።

‘’እስላማዊ ኤሚሬት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኩሎም መሰላት ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ሕሉው እዩ’’ኢሉ ሙጃሂድ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ።’’ከምዚ ዝኣመሰሉ ሪፖርትታት ብተፃባእቲ ወገናት ከም ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዝዝርግሕዎ ዝተጋገየ ሓበሬታ ዝተመስርተ እዩ’’ኢሉ ኣሎ።

መራሕቲ ታሊባን ኩለን ኣዋልድ ተምሃሮ ኣብ ቀረባ ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ምስ እስላማዊ ሕግን ትምህርትን ብዝሳነ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ከምኡ እውን ዩኒቨርስታት ክምለሳ ክፍቀደለን እዩ ይብሉ።

ኣፍጋናዊያን ደቂ ኣንስትዮን ተንቀሳቐስቲ መሰላትን ኣንፃር እቶም እገዳታት ብተደጋጋሚ ድምፆም ከስምዑ ከለው ሓይልታት ታሊባን ንቶም ሰልፍታት ንምብታን ሓይሊ ክጥቀሙ ፀኒሖም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG