ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍጋኒስታን: ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ 6 ሰባት ቀቲሉ


ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም፡16 ቆሲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:00 0:00

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም፡16 ቆሲሎም

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ኣብ ሓደ ሽዓ ኣመንቲ እስልምና ዝእከብሉ መስጊድ ዘጋጠመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶምን 16 ድማ ምቁሳሎምን ሓቢሮም።

ሓደ አባል ፖሊስ ንናይ ፈረንሳ ዜና ኣገልግሎት ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ኣፍደገ እቲ መስጊድ ኣባጊዑ ዝጓስይ ዝነበረ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ፖሊስ ብተወሳኺ እቲ መጥቓዕቲ ድሕሪ ናይ ዓርቢ ጸሎት ሰባት ነናብ ቤቶም ኣብ ዝምርህሉ ሰዓት ዘጋጠመ ምኳኑ ሓቢሮም።

ነቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለን።

ን ዓ ኣምነቲ እስልምና ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ አብ ኣፍጋኒስታን ብተደጋጋሚ ዝረአ ምኳኑ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG