ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣፍጋኒስታን ምኽትል ፕሬዝዳንት ካብ ዝተፈፀሞም መጥቓዕቲ ኣምሊጦም


ኣብ ልዕሊ ናይ ኣፍጋኒስታን ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣምሩላህ ሳሊሕ ኣብ ካቡል ሎማዕንቲ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እንተወሓደ 10 ሰባት ተቐቲሎም ዓሰርተታት ድማ ቆሲሎም ኣለው።መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ስቪላት እዮም ብመሰረት ሰበስልጣን ፀጥታ ኣፍጋኒስታን።

ንቶም ምኽትል ፕሬዝዳንት ንዝዓጀባ ኮንቨይ ዒላማ ዝገበረ መጥዕቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ብዝተቐበረ ቦምብ እዩ ተፈፂሙ።

ሳሊሕ ኣብ ገፆምን ኣእዳዎምን ካብ ዘወረዶም ንእሽተይ መቑሰልቲ ወፃኢ ሳላ ንጥይት እትከላኸል መኪና ካብቲ መጥቓዕቲ ኣምሊጦም ኣለው።እቶም ምኽትል ፕሬዝዳንት ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ፌስቡክ ኣብዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ‘’እቲ ኖታጕ ኣዚዩ ሓያል ብምንባሩ ንመስታዎት መኪናይ ሓሙኽሽቲ ገይሩዎ’’ ኢሎም።እታ ሃገር በብማዕልቲ ይገጥሞ ዘሎ ፈተና ይርዳእ እየ ኢሎም።ህይወቶም ንዝስኣኑን ንዝወረደ ዕንወት ንብረትን ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለው ምኽትል ፕሬዝዳንት ሳሊሕ።

XS
SM
MD
LG