ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንመእተዊ ኮለጃት ዘገልግል ኣወንታዊ ኣድልዎ ሰሪዙ


ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ናብ ኮለጃትን ዩኒቨርስታትን ንምእታው ክግበር ዝጸንሐ ኣወንታዊ ኣድልዎ ውሑዳን (affirmative action) ትማሊ ሓሙስ ሰሪዙ። እዚ ንዓመታት ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣመሪካ፡ ካብ ውሑዳንን ውጽዑታን ዓሌታት ከምእኒ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካውያንን ሂስፓኒክ (ተወለድቲ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ)ን ናብ ኮለጃት ንምእታው፡ መጠናዊ ድጋፍ ብምሃብ ቀዳምነታት ክህቦም ዝጸንሐ ሕጊ’ዩ።

እዚ ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝበጽሐ ጉዳይ ኣወንታዊ ኣድልዎ (ኣፊርማቲቭ ኣክሽን)፡ ብመገዲ ኤስያዊ ኣመሪካዊ ድሕሪ ዝቐረብ ክሲ’ዩ። ነዚ ክሲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ትካል ትምህርቲ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ድማ እቲ ውሳነ "ንዅሉ ኣመሪካዊ ዘርብሕን ብማዕረ ዝጥምትን” ክብል ሓጐሱ ገሊጹ።

ንውሳነ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዝቃወሙ ወገናት ግን እዚ ስጕምቲ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ኣመሪካ ናይቶም ሃብታማትን ውሑዳንን ብምዃን ንታሪኽን ብዙሕነትን ኣመሪካ ዘየንጸባርቓ ክዀና ኣንፈት ዝኸፍት’ዩ ይብሉዎ። ነቶም ናብ ኮለጃት ንምእታው ዝሓልሙ’ሞ ካብ ተዛማዲ ጽቑጣት ኣካላት እቲ ሕብረተሰብ ንዝመጽኡ ተመሃሮ ሕልሞም ዝዀልፍ’ዩ ክብሉ ይገልጹዎ።

እዚ ርእይቶ ግን ክሳብ’ቲ ዝለዓለ መሪሕነት መንግስቲ’ውን ዝስማዕ ዘሎ ርእይቶ’ዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ’ቲ ውሳነ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ በቲ ተግባር ኣዝዮም ከም ዝጐሃዩ ሓቢሮም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መግለጺኦም፡ “ኣብ ኣመሪካ ዓሌታዊ ኣድልዎ ክሳብ ዝሃለወ፡ ናብ ኮለጅ ዝግበር ምእታው ድማ ኣወንታዊ ኣድልዎ ክህሉዎ ንቡርን ፍትሓዊን’ዩ፡” ኢሎም። ባይደን ወሲኾም፡ ዩኒቨርስታትን ኮለጃትን ብውሳነ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ከይተጸልዋ፡ ናይ ምምህርና ማእከላትን ንብዙሕነትን ፍሉይነትን ኣመሪካ ዘርኢ ዓይነት ተመሃራይ ክሓቝፋ ጸዊዖም። እቶም ፕረዚደንት ኣብ ውድድር ጥራይ ዝተደረተ መምዘኒ ብቕዓት ምስ ዝጥቀማ ክህሉ ንዝኽእል ነባሪ ሳዕቤን ኣብ ግምት ከእትዋ’ውን ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም መርገጺ ዝተመቓቐለ’ዩ። ህዝባዊ ዳህሳታት ከም ብዓሌት ዝገብር ኣወንታዊ ኣድልዎ ኣስታት ሓደ ርብዒ ናይ ህዝቢ ኣመሪካ ይድግፉዎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG