ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሎሬት ሜትር ኣርቲስት ኣፈወርቅ ተክሌ ዓሪፎም


AFEWORK TEKLE
AFEWORK TEKLE

ኢትዮዽያዊ ሎሬት ሜትር ኣርቲስት ኣፈወርቅ ተኽሌ ትማሊ ምሸት ኣብ መበል ሰማንያ ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

መንቀሊ ሞት ሎሬት ኣርቲስት ኣፈወርቂ ካንሰር ጨጎራ ከምዝኾነ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊፆም።ድሕሪ ዜና ተወሳኺ ሪፖርት ክህልወና‘ዩ።

ኣፈወርቅ ተክሌ 12 ጥቅምቲ 1925 ካብ ወ/ሮ ፈለቀች የማታወርቅን ኣቶ ተኽለ ማሞ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ባንኮበር ተወሊዶም።

ኣብ 1940 ንትምህርቲ ምህንድስና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዶም ነይሮም። ሽዑ ድልየት ስነ-ጥበብ‘ውን ነይርዎም፣ስለዝኾነ ቤ/ትምህርቲ ስነ-ጥበብን ኪነትን ለንደን ንኣፈወርቅ ተክሌ ተቀቢሉ ኣምሂርዎም‘ዩ ይብሉ ፕሮፈሰር ሪቻርድ ፓንክረስት ኣብ ዝሰነድዋ ታሪኻዊት መፅሓፍ።

ድሕሪ 1952 ስም ኣፈወርቅ ተክሌ ብደረጃ ዓለም ዝገነነሉ ወቅቲ ከምዝኾነ፣ መፅሓፍ ሪቸርድ ፓንክረስት ይጠቅስ።ናይ ሜትር ኣርቲስት ኣፈወርቅ ተክሌ ቅዲታት ስእሊ፣ቅብኣ-ቀለም፣ስእልታት ግድግዳ፣ሞዛይክን፣ስእልታት ቅብኣ-መስተያትን ካልኦትን፣ኣብ‘ቲ ሞያ ቀዲሙ ዝስራዕ ሳኣላይ ንምኻኖም ዝሕብሩ‘ዮም።

ኣፍሪቃውያን ንናፅነቶም ኣብ ዝቃለስሉ እዋን፣ኣፈወርቅ ተክሌ‘ውን ኣበርክቶ ገይሮም‘ዮም።ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ቁጠባ ኣፍሪቃ ዘሎ ንኣጋይሽ ዝቅበልን ዝስንይን ስእሊ፣ውፅኢት ስራሕ ኣፈወርቂ ተክሌ‘ዩ።

ኣብ 1957 ኣብ ኣልጀርስ ኣድማሳዊ ሜዳልያ ወርቂ ተቀቢሎም።ብድሕሪኡ ብርክት ዝበሉ ሽልማትን ክብርታትን ተወፍዩሎም‘ዩ።እቲ ዝተዋሃቦም መፀውዒ ብቀሊሉ ዘይተረኽበን ነብሱ ገላፃይን‘ዩ።ኣዝዮም ዝተኸበሩ ሎሬት ዓለም ሜትር ኣርትስት ኣፈወርቅ ተክሌ።

ስነ-ስርዓት ቀብሮም ቀዳም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ስላሴ ኣዲስ ኣበባ ከምዝፍፀም ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG