ዋሽንግተን —
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ድሕሪ ብሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም ድሕሪ ምእሳሮምን ናብ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ወግዓዊ ስምዕታ ከምዘቅረበ ገሊጹ።
ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ኣጋጣሚ ክብል ንዝገለጾ ተጋንፎ ቅድሚ ኣስታት 16 መዓልታት፣ ክልተ ሰራሕተኛታቱ፣ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከምዝተኣሰሩ፣ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞምን ንሰዓታት ብሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ብዘይምኽንያት ከምዝተታሓዙን ጠቂሱ።
ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝዘርገሖ መግለጺ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ባንኪ ይሕግዝ ከምዘሎን፣ ቅልጡፍ ምጽራይ ከምዘካይደሉን ገሊጹ እዩ ይብል። ስራሕ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ በቲ ኩነታት ስራሕቱ ከምዘይተዓንቀፈ’ውን ጠቂሱ ኣሎ።
ቅጥዒ